ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩክሬን ምስ ሩስያ ዘሎ ምፍጣጥ ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ክፍታሕ ዘለዋ ትጽቢት ትገልጽ


ዩክሬን ምስ ሩስያ ዝኣተወቶ ምፍጣጥ፣ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ፍታሕ ክረክብ እዩ ኢላ ትጽቢት ከምትገብር ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ዲምትሮ ኩለባ "መጥቃዕቲ ከጋጥም እዩ" ኢሎም ከምዘይጥርጥሩ ኣብ ክንድኡ "ኣብ ዶብ ምስ ሩስያ ዝተፈጠረ ቅልውላው፣ ብዲፕሎማሲ ክፍታሕ እዩ" ኢሎም ከምዝኣምኑ ገሊጾም።

ኣብ ፓሪስ ዝተራኸቡ ሰበ ስልጣን ዩክሬን፣ ሩስያ፣ ፈረንሳይን ጀርመንን፣ እቲ ልዝብ ካልእ መዓልቲ ንክቅጽልሉ ተሰማሚዖም ኣለው።

ሎሚ ሓሙስ መግለጺ ዝሃበት ሩስያ ብወገና "ኣመሪካ፣ ንዘልዐልክዎ ጸጥታዊ ስግኣት ኣየቅለበትሉን" ከምዝበለት ዝመጸ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

ሩስያ ተቅርቦም ጠለባት "ኔቶ ናብ ምብራቅ ገጽ ዝጀመሮ ምስፋሕ ክገትኦ፣ ብሕልፊ ናብ ዩክሬንን ጂኦርጂያን። ካብኡ ዝሰገረ፣ ኔቶ ካብ ምብራቅ ኣውሮጳ ንክስሕብ" ዝብል እዮም።

ኣመሪካ ግና፣ ነዞም ቅድመ ናይ ኩነታት ሩስያ፣ ክላዓሉ ዘይግበኦም ክትብል ትነጽጎም።

XS
SM
MD
LG