ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኤስኤድ -ዳርት ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ሰብኣዊ ንጥፈት  


መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዘውፈሮ እዚ ጉጅለ’ዚ 17 ኣዝዮም ምኩራት ሰብ ሞያ ዝሓቆፈ ኮይኑ፣ ህጹጽ ሓገዝን ረድኤትን ንዘድልዮም ሰባት ዳህሳስ ብምክያድ ምልላይ፣ ዘድልዮም ሰብኣዊ ሓገዝ እንታይ ከምዝኾነ ምንጻርን ምስ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ተሓባቢሩ እቶም ኣብ ሓደጋ ዝኣተው ሰባት ምድሓን ዝብል ገዚፍ ዕላማ ሒዙ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ እዩ።

እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ ሰብኣዊን ተፈጥሮኣዊን ጥፍኣት ዝወረዶ ኣትዩ ንሰብኣዊ ቅልውላው ዳህሳስን መጽናዕቲን ብምክያድ ትካላት ረድኤት ኣገዳሲ ንዝኾኑ ቀረባት ንክሕግዝንን ንክቀርብን ንክከፋፈልን ትሕግዝ።

ኤምሊ ዳይኪን፣ መራሒት ናይ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝወፈረን ግብረ መልሲ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ዝህብ ዘሎ ጉጅለ ዩኤስኤድ -ዳርት
ኤምሊ ዳይኪን፣ መራሒት ናይ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝወፈረን ግብረ መልሲ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ዝህብ ዘሎ ጉጅለ ዩኤስኤድ -ዳርት

ኤምሊ ዳይኪን፣ መራሒት ናይ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝወፈረን ግብረ መልሲ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ዝህብ ዘሎ ጉጅለ ዩኤስኤድ -ዳርት እያ። "ብመዳይ ሰብኣዊ ጠለብ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዘፈራት ንአብነት ውሕስና መግቢ፣ ዝተማለአ ምግብና፣ ጥዕና፣ ጽርየት ማይ፣ መጸራረይን ካልኦት ዘፈራትን ኣዚና ተገሪምና ኢና። ብመሰረት’ዚ፣ ምስ መዳርግቲናን ምስ’ቲ ህዝቢን ኮይና፣ በታ ዘለትና ገንዘባዊ ዓቅሚ ክሳዕ ክንደይ ክንገብር ከምንኽእል ኣበርቲዕና ሰሪሕና ኢና" ትብል።

መንግስቲ ኣሜሪካ ዛጊድ 305 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ግብረ ሰናይ ወፍዩ ኣሎ። እዚ ሓገዝ’ዚ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ መጽለሊ ንክረኽቡ ከምኡውን ነቶም ካብ ውግእ ዝሃደሙ ንምድጋፍ ዘድሊ ናይ መግቢ፣ ማይን ሕክምናዊ ደገፍን ንምቅራብ ዘኽእል እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ዩኤስኤድ -ዳርት ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ሰብኣዊ ንጥፈት
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:32 0:00


XS
SM
MD
LG