ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣብ ወልቃይት ጠገዴ ናይ ጅምላ መቓብር ምርካቡ ኣፍሊጡ


ዩኒቨርስቲ ጎንደር
ዩኒቨርስቲ ጎንደር

ዩኒቨርስቲ ጎንደር ኣብ ከባቢ ወልቃይት ጠገዴ ናይ ጅምላ መቓብር ምርካቡ ኣፍሊጡ።

ነቲ ሪፖርት ዘቕረቡ "ህወሓት ኣብ ወልቃይት ጠገዴን ጠለምትን ኣብ ልዕሊ ተዋላዶ ኣምሓራ ዝፈጸሞ" ዝበልዎን "ምጥፋእ ዓሌት" ክብሉ ዝጸውዕዎን ተግባር ንምጽናዕ ናብቲ ቦታ ዝተላእኸ ናይ ምሁራን ጉጅለ 20 ዝኸውን መቓብራት ምርካቡ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ሓቢሩ'ሎ።

እቲ መፅናዕቲ ካብ 1972 ዓ\ም ክሳብ 2013 ዓ\ም ከምዝሽፍን ተገሊፁ ኣሎ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ከምዚ ዝበለ ፀብፃብ ንምውፃእ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ምክያድ የድሊ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ንባዕሉ ተበዳሊ ገይሩ ንምቕራብ ይፍትን ኣሎ’’ክብል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብምኽሳስ "እቶም ሬሳታት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ናይ ዝተፈፅመ ቅትለት ግዳያት እዮም" ኢሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG