ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒሴፍ: ውግእ ንቆልዑ ክልል ትግራይ ሓለዋ:ትምህርቲን መግቢን ይምንጥል ምህላው ገሊጹ


ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) "ውግእ ናይ ክልል ትግራይ ንመሰል ዓሰርተታት ኣሻሓት ቆልዑ ይምንጥል ከምዘሎን ካብኡ ሰጊሩ ዝከላኸለሎም ኣካል ስለዝሳኣኑ ኣብ መጻኢ ህይወቶም ንምግማቱ ዘጽግም ሃሰያ ክሰዕበሎምን እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ ።

ወሃቢ ቃል ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ጀምስ ኢልደር ካብ ክልል ትግራይ ኣብ’ዚ ቀረባ ናብ ጄነቫ ተመሊሱ ኣሎ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ትግራይ ክወርድ እዩ ኢልና ቅድሚ ኣስታት ሓሙሽተ ወርሒ ዘጠንቀቅናዮ ጸገም ሎሚ ይወርድ ኣሎ ኢሉ።

ኢልደር ወሲኹ "ቆልዑ ዝሕልዎም ኣካል ስለዝሳኣኑ፣ ደቂ ኣንስትዮ ይድፈራ ከምዘለዋን፣ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ይውስኽ ከምዘሎን፣ ንኣብነት ሓደ ዩኒሴፍ ዝምውሎ ማእከል ብመሰረት ዝኣከቦ ጸብጻብ፣ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ጊዜ ከምዘጓንፍን በዝሒ’ቶም መጥቃዕታት ግና ካብኡ ንላዕሊ ክኾን ከምዝኽእል’ ይሕብር::"

"ዝተደፈራን ኣብ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ዘጋጠመንን ቆልዑ ዝህበኦ ምስክርነት ክትሰምዕ ከለኻ ዘሕምምን መግለጺ ጭካኔን ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ። እወ! ክሳዕ 14 ዓመት ዝኾነን ቆልዑ ከምዝተደፈራ ሰሚዔ እየ። ዕስለ ኮይኖም ዝደፈሩወን ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ’ውን ኣዝዩ ዘሰምብድ ሓበሬታ ሰሚዔ እየ።"

ጀምስ ኢልደር ኣብ መግለጺኡ "ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ነቲ መጥቓዕቲ ብግልጺ ክኹንኑን ፈጸምቱ ናብ ፍርዲ ንከቅርቡዎምን" ጸዊዑ ኣሎ። ንሱ ዩኒሴፍ ነተን ጾታዊ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ ሕክምናዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ድጋፍ ይልግስ ኣሎ ይብል።

ኣብ ሞንጎ’ቲ ውግእ ተቀርቂሮም ዘለው ቆልዑ ትግራይ ብስእነት ትምህርቲን ምግብናን ይሳቀዩ ከምዘለው ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ ጠቂሱ ኣሎ። 1.4 ሚልዮን ቆልዑ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ካብ ትምህርቶም ቦኺሮም፣ ካብ ሞንጎ’ቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝተዓዘቦምን ኣብ ሕልንኡ ተቀሪጹ ዝተረፈን፣ ኩነታት 16 ዓመት ዝዕድሚአ መርሃዊት ከምዝኾነ’ውን ሓቢሩ::

"መርሃዊት ካብ ምዕራባዊ ትግራይ፣ ንምንኣሳ ሓዋ ጸይራ 300 ኪ/ሜ ተጓዒዛ። 300 ኪ/ሜ እሞ ድማ ዝኣረገት ሸበጥ ጫማ ገይራ። ንሳ ብፊዚክስ መዳርግቲ የብላን። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መርሃዊት ትበልዖ የብላ፣ ሙሉእ ዓመት’ውን ካብ ትምህርቲ ቦኺራ ኣላ።"

ብመሰረት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ህወሓት ንመዓስከር ሰራዊት ድሕሪ ምጥቀዖም ውግእ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ። እቲ መጥቃዕቲ ይብሉ ቀ/ሚ’ታ ሃገር፣ ንህወሓት ንምድፋእ ወፍሪ ከምዝኸፈቱ ይዛረቡ።

እቲ ዝተወለዐ ውግእ ንሕርሻዊ ስራሕቲ’ውን ኣተኣጓጊሉ፣ ማእቶትን እንስሳ ዘቤትን አጥፊኡ። ሎሚ፣ ብሰንኪ’ቲ ውግእ፣ ሓረስቶት ኣብ ግራቶም ወፊሮም ክሓርሱ ዕንቅፋት ስለዝኾኖም ከቢድ ሕጽረት እኽሊ ተፈጢሩ አሎ።

ዩኒሴፍ ነቶም ሓገዛት ንምብርካት ዓለምለኻዊ ደጋፍ ከምዝጽበ፣ ንቆልዑን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝውዕል ትሕቲ ፍርቂ በጀት ማለት 47. 6 ሚልዮን ዶላር ከምዝተረኸበ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG