ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒሴፍ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ቆልዑ ዝፍጸም ግህሰት ኣይነከየን ኢሉ


ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) "ኣብ ትግራይ፣ ውግእ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝፍጽመ ግህሰት መሰላት ስፍሓቱን ዕምቆቱን ሎሚ’ውን ኣይነከየን" ኢሉ ።

እቲ መግለጺ "ልዕሊ 6 ሽሕ ኣላዪ ዘይብሎም ወይ ካብ ወለዶም ዝተፈላለዩ ቆልዑ ምልላይ ከምዝተኻኣለን ንዕቑባን ሓገዝን ከምዝተመዝገቡን፣ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ፣ ካልኦት ቆልዑ ናብ ዝነብርሉ ከባቢታት ምእታው ስለዘይተካኣለ’ምበር ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎም ቆልዑት ከምዝህልው፣ ብጸገም ርክባት፣ ሕጽረት ማሕበራዊ ሰራሕተኛታትን ናይ ምንቅስቃስ ደረትን፣ ወለዲ ምስ ደቆም ንምርኻብ ከምዘይተካኣለ" ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ "ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን፣ ሎሚ’ውን ንጾታዊ መጥቓዕቲ ተቓሊዓን ኣለዋ፣ ልዕሊ 450 ብህይወት ዝተረፋ ክንክን ይግበረለን ከምዘሎ፣ ኣልማማ ሕጽረት ጸጥታን መጥቓዕቲ ከውርዱለይ’ዮም ዝብል ፍርሂን ተደማሚሮም፣ ንብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዘድልየን ኣገዳሲ ሓገዝ ንምልጋስ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ" ይብል ።

ብውሑድ 1.6 ሚልዮን ህዝቢ፣ እቶም 720 ሽሕ ቆልዑ እዮም፣ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ ተፈናቂሎም ኣለው። መዓስከር ስደተኛታትን ተፈናቀልቲን፣ ጽቅጥቅጥ ዝበዝሖም ኮይኖም ይራኣዩ፣ እዚ ኩነታት’ዚ ድማ፣ ጾታዊ መጥቃዕቲን ዓመጻትን ንክፍጸም ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጥር ዩኒሴፍ ይሕብር።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ፣ ቆልዑ ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለው፣ብመሰረት’ዚ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንመሰረታዊ መሰላት ከኽብሩ፣ ዘይተደረተ መሰል ምንቅስቃስ ናብ ሓገዝ ዘድልይዎም ብሕልፊ ናብ ቆልዑ ንክህሉ ንከፍቅዱ ዩኒሴፍ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG