ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒሴፍ፡ ኣብ ሶማል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቂቕ ሓደ ቆልዓ ብሕጽረት መግቢ ናብ ሕክምና ከምዝኣትው ሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሶማል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቂቕ ሓደ ቆልዓ ብሰንኪ ከቢድ ሕጽረት መግቢ: ናብ ትካላት ሕክምና ከምዝኣቱን፣ ካብ ወርሒ ነሓሰ ንደሓር ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ 44, 000 ቆልዑ ክንክን ከምዝረኸቡን ትካል ህጻናት ሕ/ሃ (ዩኒሴፍ) ገሊጹ።

ዩኒሴፍ ኣብ መግለጺኡ ኩነተ ቆልዑ ሶማል "ሓንቲ ኣደ ንውሉዳ ሓገዝ ናብ ዝረኸበሉ ስፍራ ንመዓልታት ኣብ ትጉዓዘሉ እዋን፣ ኣካል ሓደ ህጻን ንምንባር ክቃለስ ከሎ፣ ህይወት ሓደ ቆልዓ፣ ኣብ ቀራን መገዲ ክወድቅ ከሎ ዘርኢ እዩ" ይብል።

ብሕጽረት መግቢ ዝሳቀዩ ቆልዑ፣ ምስ ጽቡቕ መግቢ ዝረኽቡ ክነጻጸር ከሎ፣ ናይ ሙሟት ዕድሎም፣ ብ11 ጊዜ ዝዓበየ ከምዝኾነ’ውን እቲ መግለጺ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG