ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒሴፍ: ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበረ መሳርሒ ሳተላይት ምዕናዎም ሓቢሩ


ሰራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ ሶኑይ ናብ’ቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዮም ንመሳርሕ ሳተላይት ቪሳት ከምዘዕነውዎ ትካል ህጻናት ኣድህን ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ።

ዩኒሴፍ"ተግባር ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ንመሰላት፣ ሓለዋ ምርካብን፣ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ሕጊታት፣ ትካላት ኣብ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ጥቅሚ ንዝውዕልዎም ኣቁሑት ዘይምትንካፍን ዝብሉ ሕጊታት ዝጣሓሰ’ዩ" ይብል ።

"ቀዳምነት ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ትግራይን ኣብ ኢትዮጵያን፣ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ 140 ሽሕ ቆልዑ ሓዊሱ ንኩሎም ዝተቃልዑ ህጻናት ምሕጋዝ እዩ፣ ስለዚ፣ ዒላማ መጥቃዕቲ ክንከውን ኣይነበረናን ንመጻኢ’ውን ክንከውን ኣይግባእን" ይብል።

ዩኒሴፍ ወሲኹ "ኣብ ትግራይ ዝዋስኡ ኩሎም ተዋጋእቲ፣ ንሕጊታት ውግእ ክትግብሩ፣ ንትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ክከላኸልሎምን ይሓትት። ብኣንጻሩ፣ ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንንብረት ትካላት ረድኤት ክከታተሉን ክወርሱን ኣይግባእን፣ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ንምሕላፍ ከሐግዙን ንህጻናት ኩሉ ጊዜ ካብ ሓደጋ ክከላኸሉን" ኣዘኻኺሩ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG