ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒሰፍ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ወገናት ቆልዑት ከይጎድኡ ኣተሓሳሲቡ


ዩኒሰፍ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ወገናት ቆልዑት ከይጎድኡ ኣተሓሳሲቡ። ካብ መንጎ 500,000 ዝኾኑ ነበርቲ መቐለ ፍርቆም ቆልዑት`ዮ ዝበለ ዩኒሰፍ፡ በቲ ዝዓርግ ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ከምዝተሻቐለን፥ እቲ ኩናት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎም ከምዘሎን ኣፍሊጡ።

እቶም ወገናት ኩናት ደው ኣቢሎም ናብ ሰለማዊ መዕለቢ ክበጽሑን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ መስመራት ክከፍቱን፥እቲ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ብተመራጺ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፥ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ክኸውን ዝተመርጸ ጀይክ ሱልቫን፥ኣብ ልዕሊ ስቪላት ክወርድ ዝኽእል ጎንጽን ኣብ ከባቢ መቐለ ኣብ ዝካየድ ኩናት ገበናት ኩናት ክፍጸም ዘለዎ ተኽእሎን ብዓሚቕ ኣተሓሳሲቡኒ ኣሎ ክብል ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ገሊጹ።

ሲቪላት ክሕለዉን ሰብኣዊ ረድኤት ክኽፈትን ኣለዎ ዝበለ ሱልቫን ክልቲኦም ወገናት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳለጥ ዘሎ ልዝብ ብቕልጡፍ ክጅምሩ ይግባእ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG