ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

የመን: ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ስግኣት ቫይረስኮሮና ካብ መነባብርኦም ይመዛበሉ ከምዘለው ተሓቢሩ


ኣብ የመን ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ብስግኣት ቫይረስ ኮሮና ካብ መነባብርኦም ከምዝተፈናቀሉ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል’ቲ ትካል ፓወል ዲልን ‘ፍርሂ ቫይረስኮሮና ንህዝቢ የመን፣ አብ ልዕሊ ዝነበረ ጸገም ካልእ ጾር ከምዝወሰኸሎም’ ጠቂሱ: ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተቃላዕቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ዝገደደ እዩ ይብል።

ዲልን ወሲኹ ሰላም ዝተባሃለት ነባሪት ዓደን ንመሳርሕትና ’ሰባት መሰረታዊ ጠለባቶም ንከማልኡ ኢሎም ንፍራሾም፣ ኣንሶላን ክዳውንቲ ደቆም ይሸጡ ኣለው’ ኢላቶም። ኣብ ቤት ተቆጺረን ይሰርሓ ዝነበራ ደቂ ኣንሰትዮ እንተኾና፣ ኣብ ጎደናታት ኣብ ተግባር ልመና ተዋፊረን ኢኻ ትሪኤን። ምኽንያቱ ኣስራሕተን ቫይረስኮሮና ሒዘናልና ክመጻ እየን እናበሉ ስለዝሰግኡ ኣየስርሑወንን ዘለው’ ይብል ።

ወግዓዊ ሪፖርታት ‘ኣብ የመን ብኮሮናቫይረስ 1610 ሰባት ተለኺፎም 445 ሰባት ድማ ከምዝሞቱ ሓቢሩ ኣሎ። ትካላት ረድኤት ግና ብዝሒ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ኣብ የመን ካብ’ቲ ዝባሃል ዘሎ ዝበዝሐ ከምዝኾን እዮም ይገልጹ።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዲለን ወሲኹ ‘ብዛዕባ’ቲ ቫይረስ ዝቃልሑ ምድንጋራት፣ ቀንዲ ጠንቂ ዳሕረዋይ ምፍንቃላት ኣብ የመን ከምዝኾነ’ውን ይጠቅስ።

“ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይጋፋሕ ጸኒሑ እዩ። እቶም ይቀላቀሉ ዘለው ጸረ ስደተኛ ስምዒታትን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ኣብ ልዕሊ ተፈናቀልቲን ንክፍጸም ጠንቂ ይኾን ኣሎ’ ይብል።

ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባሃለ ትካል ግብረ ሰናይ ብወገኑ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ሒዝዎም እንተተባሂሎም ብማሕበረ ሰብ መግለልቲ ክወርደና እዩ እናበሉ ከምዝሽቁረሩን ከምዝፈርሑን ጠቂሱ ኣሎ። ከምሳዕቤኑ ድማ ‘ቫይረስ ኮሮና ዝሓዞም ሰባት፣ እንተዘይበርቲዕዎም እምበር ሕክምናዊ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ትካላት ሕክምና ንከይኸዱ ዓንቂፍዎም ኣሎ ይብል።

Recommended

XS
SM
MD
LG