ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

የመን: ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ መዳጎኒ ማእከል ይእከቡ ምህላዎም ተገሊጹ


የመን: ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ መዳጎኒ ማእከል ይእከቡ ምህላዎም ተገሊጹ

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ኣብ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት ተገፊፎም ብዘይ ፍቓዶም ናብ መዳጎኒ ቦታታት ይወስዱ ምህላዎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ስደተኛታት ንዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ከጋድዱ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ይግፈፉ ምህላዎም'ውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ስዑዲ ንምብጻሕ የመን ይኣትው እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኹናትን ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ዝካየድ እገዳታት ስደተኛታት ናብ ዝመደብዎ ካብ ምብጻሕ ከልኪልዎም ይርከብ።

ኣስታት 14,500 ስደተኛታት ካብ ከተማታት ዓደንን ማሪብን ተገፊፎም ኣብ መጽንሒ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ተአኪቦም ምህላዎም'ቲ ትካል ስደተኛታት ይሕብር።

ብስዑዲ ዝምራሕ ሕብረት ዝድገፍ መንግስቲ'ታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ 1,504 ድማ ዝሞቱ ድማ 424 መዝጊቡ'ሎ። እንተኾነ ግን ንዝበዝሓ ዓበይቲ ከተማታት ዝቆጻጸሩ ተቓወምቲ ሑቲ ክሳብ ሕጂ ጸብጻብ'ቲ ቫይረስ ኣይሓቡን።

ሕቡራት ሃገራት ንዓመታት ኣብ ኹናት ኣብ ዝጸንሓት ትሕቲ ቅርጺ ኣገልግሎት ሕክምና ኾነ መርመራ'ቲ ቫይረስ ትሑት ኣብ ዝኾነት ሃገር ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ኮነ ዝተታሕዙ ካብቲ ዝግለጽ ንላዕሊ ከምዝኾነ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG