ሃዋሳ —
ኣብ ዞባ ጉራጌ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ብምፍናውን ዕግርግር ብምፍጣርን ንናይ ህዝቢ ሰላም ዘሪጎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ምእሳሮም ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ።
ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣለማየሁ ማሞ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ሓለፍቲ’ቲ ዞባ ሓዊሱ፣ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተኣሲሮም ኣለው" ኢሎም።
ቤተሰብ’ቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ግና፣ ንሰበ ስልጣን ሓዊሱ 13 ውልቀ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሮም ክብሉ ገሊጾም።