ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዞባ ወላይታ ናይ ባዕሉ ክልል ንምእዋጅ ምንቅስቃስ ከምዝገበረ ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ


ኣብ ደቡብ ክልል ዞባ ወላይታ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብምፍራስ ናይ ባዕሉ ክልል ንምእዋጅ ምንቅስቓስ ከምዝገበረ ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበንን ዘለኣለም መንግስቴ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝፍፀሙ ናይ መንግስቲ ሰበስልጣንን ወልቀሰባትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎምን ክሲ ከምዝምስረትን ገሊፆም።

ንሶምወሲኾም ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ሕጋዊ ኣብ ዝኾነ ፖሊስ እምበር ኣብ ኢድ ዘይስሩዓት ጉጅለታት ክወድቕ ኣይንፈቅድን ኢሎም።

ናይ ህዝቢ ሕቶ ንምምላስ ክብሉ ኣቶ ዳጋቶ ኩንቤ ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ናይቲ ዞባ ንዘካየዱዎ ምንቅስቓ ዝድግፉዎም ኣካላት ድማ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑን ናይ ህዝቢ እዩ ዝበሉዎ ናይ ምውዳብ ሕቶ ክምለስን ኣብ ምሕታት ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG