ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

6 ዞባታትን 5 ፍሉይ ወረዳታት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝበ ውሳነ ኣካይዶም


ኣብ ኢትዮጵያ ህዝብታትን ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉይ ወረዳታት ክልል ደቡብ ብሄር-ብሄረሰባትን ናይ ሓባር ክልል ንምምስራት 29 ጥሪ 2015 ዓ.ም ህዝበ ውሳነ ኣካይዶም። ኣብቲ ምርጫ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ህዝቢ ምስታፉ'ውን ተሓቢሩ ሎ።

እዚ ክልላት ሲዳማን ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ድሕሪ ምምስራቶም ድሕሪ ሒደት ዓመታት ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ዝተረፈ ክልል ደቡብ ኣብ ክልተ ክኸፍሎ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

ምሃብ ድምፂ ሰላማዊን ዝተረጋግአን ከምዝነበረ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሞ ኣቶ ብርሃኑ ዘውዴን ወይዘሮ የኔነሽ ሽፈራው ዝተባህለ ወሃቢት ድምፂን ሓቢሮም።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ኑቕጥታት ምርጫ ምክትታሉን ንጉድለት ናውቲ ምርጫ ምስ ኣፈፀምቲ ምርጫ ብምዃን ናይ መእረምታ ስጉምቲ ምውሳዱን ገሊፁ።

ነቲ ህዝበ ውሳነ ካብ መንጎ ዝተዓዘቡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓደ እዩ። እቲ ህዝበ ውሳነ ተቐባልነት እንተረኺቡ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዝብል ሽም መበል 12 ኣባል ፌደረሽን ኢትዮጵያ ክኸውን እዩ።

XS
SM
MD
LG