ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝግበኦም ኣፍልጦ ንምርካብ ዝቃለሱ ዘለዉ ደቀባት ኣመሪካ


ደቀባት ኣመሪካ ክንዲ’ቲ ዝወረዶም በደል ዝዳርግ ኣፍልጦ ከም ዘይረኸቡ’ዮም ዝምጕቱ። መንግስቲ ወግዓዊ ይቕረታ ከም ዝሓተተን ኣዋጅ ከም ዘሕለፈን ደኣ ይመጕት እምበር፡ ብዓይኒ እቶም ደቀባት’ሲ እኹል ኣይነበረን፡ ኣይኰነን’ውን።

ኣብ ኣዋጃት ኣመሪካ፡ እንተ ወሓደ ሓንቲ ምስቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘይትኸይድ ዓንቀጽ ክትህሉ ልሙድ’ዩ። እዛ መብዛሕትኡ ግዜ እኹል ኣቓልቦ ከይረኸበት እትስገር ዓንቀጽ ንኣመምቲ ሕጊ ንምሕጓስ ወይ ድማ ንበይና ከም ኣዋጅ ክትቀውም ስለ ዘይትኽእል’ዩ።

ኣብ 2010 ዝሓለፈ፡ ድሒሩ ህዝባዊ ሕጊ 111-118 ብዝብል ዝጽዋዕ ኣዋጅ እምበኣር፡ ሓንቲ እኹል ኣቓልቦ ከይረኸበት ዝሓለፈት ዓንቀጽ ኣጠቓሊሉ ነይሩ። እታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ኣመሪካ ንዝወረደ ንታሪኻዊ ዓመጽ ይቕረታ ትሓትት’ያ።

እቲ ብላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ኣብ ታሕሳስ 2009 ጸዲቑ፡ ኣብ 2010 ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝተፈረመ’ሞ ዳሕራይ ሕጋውነት ዝለበሰ ኣዋጅ “ንዓመታት ዝኸደ ኣድልዎ፡ ዝምቡዕ ፖሊሲ፡ ጥሕሰት ኣብ ልዕሊ ባህሊን መንነትን” ብምእማን: ንደቀባት ኣመሪካ ይቕረታ ዝሓትት’ዩ።

“እታ ናይ ይቕረታ ዓንቀጽ ኵሉ እቲ እንደልዮን እንጽበዮን ተጠቓልል’ያ፡” ይብል ካብ ደቀባት ዓሌት ዩሺ ዝዀነ ዶክተር ነጂል ቢግፖንድ። ዶክተር ቢግፖንድ፡ ምስ ኣባል ባይቶ ካንሳስ ዝዀነ ሳም ብሮውንባክ፡ ባይቶ ኣመሪካ ወግዓዊ ይቕረታ ዝሓቱሉ መገዲ ኣብ ምስራሕ’ዩ ጸኒሑ።

እቲ ዝጽበዮ ይቕረታ ምስ ሓለፈ ግን ብኸምቲ ዝሓሰቦ ስለ ዘይኰነ ሕጕስ ኣይኰነን።

ቀንዲ ቅሬታ ዶክተር ቢግፖንድ እቲ ዓንቀጽ ኣብ ካልእ ናይ ምክልኻል ዝምልከት ኣዋጅ ተጠቓሊላ ምውጻኣን ንበይና ከም ሕጊ ዘይምስፋራን’ዩ ።

እታ ዓንቀጽ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ኣመሪካውያን ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ወግዓዊ ይቕረታ ክሓትት ከም ዘለዎ’ውን ትጠቅስ’ያ።

እንተዀነ፡ እታ ዓንቀጽ ኣብቲ ዓቢ ፈጺሙ ዘይምልከታ ኣዋጅ ተቐቢራ ምውጻኣ፡ ዋላ እቶም ዝምልከቶም ደቀባት ኣመሪካ’ውን ከም ዘይፈልጡዋን ዘየስተዋዓሉላን ዶክተር ቢግፖንድ ይሕብር።

ስለዚ እምበኣር’ዮም እቶም ኣበገስቲ ናይቲ ዓንቀጽ፡ እኹል ኣቓልቦ መታን ክረክብ፡ ኣብቲ ወግዓዊ ጽንብል ዝግበሮ ሮዝ-ጋርደን ናይ ህንጻ ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ክኸውን ዝጽበዩ ዘለዉ። ንዕኡ ድርኺት ንምግባር ከኣ “ይቕረታ” ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ።

ከም ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ኣመሪካ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ዘንጸባርቕ ስራሓት ቪድዮን ምዝርጋሕ ይርከቦ።

መንግስቲ ኪንዮ ናይ ጽሑፍ ይቕረታ ክኸይድ ከም ዘለዎ ዝምጕቱ’ውን ኣለዉ። ኣብ ክንድኡ ኣብቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ኣድልዎ ብምትኳር ዳግም ዝሕደሱሉ መገዲ ምንዳይ’ዩ።

ተመራመርቲ ናይቲ ዓውዲ ምስ ካልኦት ኣብ ልዕሊ ደቀባት ከቢድ ግፍዒ ዘውረዳ ብምንጽጻር፡ ኣመሪካ፡ ነቲ ጉዳይ ወግዓዊ ኣፍልጦን ግቡእ ካሕሳን ኣብ ምሃብ ድሒራ ከም ዘላ’ዮም ዝምጕቱ ። ካልእ እንተ ተረፈስ ኣብ ሮስ-ጋርድን ዝግበር ወግዓዊ ይቕረታን ጽንብልን ድማ እኹል ኣቓልቦ ክረክብ ከም ዝኽእል የመልክቱ።

ብዘይካ’ቲ ብመንግስቲ ዝግበር ወግዓዊ ይቕረታ ናይ ዳግመ-ሕውየት መደባትን፡ ነቲ ዝተፈጸመ በደላት ኵሉ ህዝቢ’ውን ንኽፈልጦን ግቡእ ግንዛበ ከሕድርን፡ ሰፊሕ ሸፈነን ጎስጓሳትን ክግበረሉ ከም ዘድሉ ድማ ይዛረቡ ተጠበቕቲ።

ኣብዚ መዳይ ቀዲማ ብምንጽጻር እትርአ ካናዳ’ያ። ኣብ 1998 ዘሕለፈቶ ወግዓዊ ናይ ይቕረታ መግለጺን ንዳግመ-ሕውየት ደቀባት ዝውዕል ባጀት’ውን ፈልያ’ያ። ብመሰረት’ቲ ኣዋጅ፡ ንመደንፍዒ ደቀባት ካናዳ ዝውዕል $350 ሚልዮን ባጀት መንግስቲ ሰሊዑ።

እቲ ገንዘብ፡ ኮሚሽን ሓቂ ዕርቂን ብምቛም፡ ንደቀባት ተመሃሮ ኣብ ትምህርቶም ዝሕግዝን ኣወንታዊ ኣድልዎ ዝህብን’ዩ።

ኣውስትራሊያን ኒው-ዝላንዳን'ውን ኣብ ልዕሊ ደቀባት ብዝወረደ ግፍዒ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲተን’የን። ኒው-ዝላንድ ኣብ 1998 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማእሪ ንዝተገብረ ምምንዛዕ መሬትን በደልን ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲታ ነይራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ 2008 ንደቀባት ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቶም ነይሮም።

ኣመሪካ’ውን ኣብ ካልእ ጉዳያት’ሲ ወግዓዊ ይቕረታ ካብ ምሕታት ኣየበዀረትን። ንኣብነት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ጃፓን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኒክሌራዊ ኣጽዋር፡ ከምኡ’ውን ኣብ 1893 ንንግስነት ሃዋይ ኣብ ምዕላው ዝተጻወተቶ ተራን ካልእ ኣጋጣሚታትን ይቕረታ ሓቲታ ኣላ።

እቲ ንብዙሓት ስግንጢር ኰይኑ ዘሎ እምበኣር፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ኣመሪካ ንዝተፈጸመ በደል ብወግዒ ምቕባል ክሳብ ክንድዚ ምድንጓዩን ምዝሕታሉን’ዩ።

በበይኖም ሓገግቲ ኣካላት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ንዝፈጸመቶ ግፍዒ ብግቡእ ክትምርምሮን ዝግበኦ ካሕሳ ክትከፍልን ደጋጊሞም ይፈትኑ ደኣ’ምበር ክሳብ ሕጂስ ዝገበኦ ኣቓልቦ ኣይረኸበን። ምሕጽንታ ኣብቲ ጉዳይ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ፕረዚደንት ባይደን ነዚ ጉዳይ ዝግበኦ ኣቓልቦ ክህቦን እቶም ግፍዒ ዝወረዶም ድማ ባዕላቶም ንቕድሚት መጺኦም ዛንታኦም ክነግሩን’ዩ ።

XS
SM
MD
LG