ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ቴክኒክ ምዃኑ ዎል ስትሪት ገሊጹ


ዝወደቐት ቦይንግ 737 MAX 8 ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠማ ናይ ቴክኒክ ፀገም ምዃኑ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝተባህለ ፍሉጥ ጋዜጣ ኣሜሪካ ሎሚ ዓርቢ ፀብፂቡ።

እቲ ጋዜጣ ነዚ ዝበለ ካብ መብርሂ መባእታዊ ውጽኢት ናይቲ ምርመራ ዝተዋህበ ሓበሬታ ምዃኑ ንምንጭታት ብምጥቓስ ሓቢሩ’ሎ።

1 መጋቢት 2011 ዓ/ም ብዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኩሎም 157 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ኢንዶኖዢያ 189 ሰባት ምስ ዝሞቱሉ ምውዳቕ ጀት 737 MAX 8 ተመሳሳሊ እዩ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ትማሊ ሓሙስ ስድራ በቲ ሓደጋ ህይወቱ ዝስኣነ ሩዋንዳዊ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ኩባኒያ ቦይንግ ክሲ ጀሚሮም ኣለው። እቲ ክሲ ቦይንግ ን737 MAX 8 ክሰርሕ ከሎ ሸለልትነት ኔሩ ብዝብል’ዩ።

XS
SM
MD
LG