No media source currently available
ናይ መጀመርያ ጊልያታት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ናይ ሎሚ ኣሜሪካ ካብ ዝመጹ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ነሓሰ መበል 400 ዓመት ከቑጽሩ'ዮም። ፈላሞት ኣፍሪቃዊያን ጊልያታት ዝጸዓና ጀላቡ ካብ ኣንጎላ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1619 ናብ ናይ ሽዑ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበረት ናይ ሎሚ ክፍለ ግዝኣት ቨርጅንያ ኣሜሪካ መጺኦም። እቲ ሽዑ ዝጀመረ ንግዲ ጊልያታት ን200 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ቀጺሉ።