ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝኽሪን ስነ ስርዓት ፋንዋን መዋቲ ህቡብ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኤርምያስ ኣስገዶም


ዝኽሪ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ስነ ጥበባዊ ሙዚቃ ራፕ ኤርምያስ ኣስገዶም (ኒፕሲ ሃስል) ሎሚ ስድራቤቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍቀርቲ ሙዚቃ: ህቡባት ሙዚቀኛታትን መንፈሳውያን መራሕትን ተቓለስቲ መሰልን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብልዑል ስነ ስርዓት ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀልስ ዝተኻየደ ምፍናው ሬሳ መዋቲ ኤርምያስ ኣስገዶም፤ ሙሉኣት ስድራቤቱ ዝኽሮም ዘካፈሉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፤ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ደብዳበ ናብቲ ቦታ ልኢኹ። ሃይማኖታዊ መራሒ ለውስ ፋራካን: ህቡባት ስነጥበባውያን ስኑፕ ዶግ ከምኡውን ስቲቪ ዋንደር ዝርከብዎም ሓያሎ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ምስኡ ዝሰርሑን ብስርሓቱ ዝፈልጥዎን ድማ ብኣካል ተረኺቦም መግለጺ ሓዘኖም ኣቕሪቦም።

መንፈሳዊ መራሒ ቀሺ ቶማስ ዑወል ድማ ብቛንቛታት ትግርኛን እንግሊዝ መንፈሳዊ ምጽንናዕ ንኹሎም መቕርቡን ኣፍቀርቱን ዘቕረቡ ክኾኑ እንከለው፤ ኣብ ዓውዲ ንግዲ መሻርኽቱ ዝነበረ ኣዳም ዓንደብርሃን ብዙሓት ካብ ዝፈልጥዎ ናይ ዓውዲ ሙዚቃ ወጻኢ ኣብ ወፍሪ ዝገበሮን ኣተዓባብዩኡን ኣብቲ ኣብ ስተፕል ሰንተር ዝተባህለ ግዙፍ ኣዳራሽ ዝኽሩ ኣካፊሉ።

ኣብቲ መድረኽ ቀሪቦም ምስክርነቶም ካብ ዝህቡ ዝነበሩ እቲ ኣዳራሽ ዝሓለፈ ግዜ ንመዋቲ መፋነዊ ዝገበረሉ ብቑጽሪ ብዙሕ ፍርያት ዝነበሮ ንህቡብ ስነ ጥበባዊ ማይክል ጃክሰን ምንባሩ ብምጥቃስ ኤርምያስ ኣስገዶም (ኒፕሲ ሃስል) ብሓንትን ካልኦትን ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ዝዝርግሐን ዝነበረ ህቡብነቱ ንሕጹይነት ሽልማት ግራሚ ቀሪቡ ጥራይ ዘይኮነ ንልቢ ሓያሎ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ብምውራስ ብምሕጋዝን ብምትብባዕን ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ዕጽፍን ድርብን ራእይ ከሐድር ብምኽኣሉ ምዃኑ ብተወሳኺ ጠቒሶም።

ኤርምያስ ኣስገዶም ኣብ መበል 33 ዓመቱ'ዩ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፋን'ዩ። በዓል ሓድርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ድማ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG