ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈላለያ ማሕበራት ክልል ኣምሓራ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ ናይ ቪዛ እገዳ ክትግምግሞ ሓቲቶም


ባህር ዳር
ባህር ዳር

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ማሕበራት፣ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ እገዳ ቪዛን ካልኦትን ደጊማ ንክትግምግሞ ሓቲቶም።

እዚ ሕቶ ዝቐረበ ማሕበራት ኣረጋዊያን፣ ሽምግልና፣ ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያን ጨንፈር ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ እዩ።

እቶም ማሕበራት ኣብ መግለጺኦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ንዘካየዶ ምኽባር ሕጊ ጌጋ ትርጉም ስለዝተዋሃቦ፣ ኣሜሪካ ግጉይ መርገጺ ንክትሕዝ ገይሩ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ንዘበናት ጥሕሰት መሰል ክፍጸም ከሎ ኣሜሪካ ጣልቃ ከይኣተወት ከምዝጸንሐት ብምጥቃስ ከምዘጉሀዮም ሓቢሮም።

ኣሜሪካ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶ ግጉይ ግንዛበ፣ እገዳ ንክተንብር ኣገዲድዋ ኣሎ፣ ስለዚ ተመሊሳ ንክትግምግሞ ሓቲቶም ኣለው።

ኣሜሪካ፣ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ኣሎ ብመሰረት ትብሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ እገዳ ቪዛን ካልኦትን ከምዘንበረት ዝዝከር እዩ ።

XS
SM
MD
LG