ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ቦረና ብደርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ሓገዝ የተኣኻኽቡ


ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታዊያንን ትካላትን ውልቀ ሰባትን ኣብ ዞባ ቦረና ብሓደጋ ደርቂ ንተሃሰዩ ወገናት ዝኸውን ሓገዝ የተኣኻኽቡ ኣለዉ።

ሓገዝ ዝፅበዩ ነበርቲ ቦረና ብወገኖም ክሳብ ሕጂ ዝበፅሖም ሓገዝ ምስቲ ዘለዎም ብዝሒ ስድራን ፀገምን ዘይመጣጠን ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ብደረጃ ሃገር ዝስራሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ሓገዝ ከምዘሐጎሶምን ቀልጢፉ ክበፅሐሎም ሓቲቶም።

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ብወገኑ ነቲ ዝእከብ ዘሎ ሓገዝ ቀልጢፉ ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ ዝሕግዝ ሓድሽ ኮሚቴ ምጥያሱን እንተኾነ እኹል መፅናዕቲ ከካይድ ከምዝደንጎየ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG