ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገረስብከት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝጸውዕዎ ሰልፊ ንኻልእ ግዜ ምንውሑ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ኣካላት ሃገረስብከት ኣዲስ ኣበባ 4 መስከረም 2012 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝፀውዕዎ ሰልፊ ንኻልእ ግዜ ከምዘናውሕዎ ኣተሓባብሪ ኮሚቴ ኣፍሊጦም።

እቲ ኮሚቴ ሎሚ ዓርቢ ኣብዝሃቦ መግለፂ ኦርቶዶክ ቤተ ክርስትያን ንኢትዮጵያ ካብ ዝሃነፁ ኣካላት ሓንቲ ምዃና ብምሕባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኹሉ ተረሲዑ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረተን እታ ቤተ ክርስቲያን ዝለዓለ ጉድኣት ዘስዕብ ሓያሎ መጥቓዕታት ይፍፀሙ ኣለው ኢሉ ሎ።

ነዚ ብሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ን4 መስከረም መደብ ሒዙ እንተነበረ እውን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ናይ ፌደራልን ክልልን ኣካላት መንግስቲ ብዝተኻየደ ዝዝርብ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክናዋሕ ምውሳኑ ኣባል ናይቲ ኮሚቴ ኣቶ ሰይፉ ኣለማየሁ ገሊፆም።

“ዝተኣተወልና ቃል ዘይፍፀም ወይ ዘየዕግብ እንተኾይኑ ን30 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ እነካይድ ምዃንና ክንገልፅ ንፈቱ።’

ነስምዖ ዘለና ድምፂ ናይ ኦርቶዶካዊያን ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነስ ነፃነት እምነት ሰፊሑ ኩሉ ብምክብባር ዝነበረላ ሰላማዊ ሃገር ንምርኣይ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG