ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈላለዩ አካላትን ዜጋታት'ታ ሃገርን ብሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓዘነኦም ይገልጹ ኣለው


ዝተፈላለዩ አካላትን ዜጋታት'ታ ሃገርን ብሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓዘነኦም ይገልጹ ኣለው
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:30 0:00

ዝተፈላለዩ አካላትን ዜጋታት'ታ ሃገርን ብሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓዘነኦም ይገልጹ ኣለው

እንግሊዛውያን ብሞት እተን ዝነውሓ እዋን ኣብ መንበረ ዙፋን ንግስነት እታ ሃገር ዝጸንሓን ትማሊ ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድሚኤን ዝዓረፋን ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ሓዘን ይርከቡ።

ዜጋታት ዕምባባታት ብምሓዝ'ዉን ናብቲ ኣብ ሎንደን ዝርከብ ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ሓዊሱ ካልኦት መንበሪአን ዝነበረ ዝተፈላለየ ኣብያተ መንግስታትን ብምኻድ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘለዎም ክብሪን ፍቅርን ብሞተን ኸኣ ጓሂኦም ይገልጹ'ለዉ።

መራሕቲ ዓለም'ዉን ብሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ መግለጺ ሓዘን ይልእኹ ኣለው ። ካብ መንጎ እቶም ቀልጢፎም መልእኽታቶም ዝለኣኹ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን: ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ: ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮማ ካቶሊክ ፍራንሲስ ይርከብዎም።

ድሕሪ ሞት'ተን ንግስቲ ብኡ ንቡኡ ዝተክእወን ንጉስ ቻርልሰ 2ይ ካብቲ ኣዲኦም ዝዓረፋሉ ኣብ ስኮትላንድ ዝርከብ ባልሞሮል ቤተመንግስቲ ሎሚ ዓርቢ ናብ ሎንደን ተመሊሶም'ለዉ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዝቅጽላ መዓልታት ክፍጸም እዩ።

XS
SM
MD
LG