ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዝተረስዑ' ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰናዲ ፊልም ንምርኢት ቐሪቡ


ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂንያ ንኩነታት ናብራ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሃገረ ሱዳን ትገልጽ ሰናዲት ፊልም 'The Forgotten' ወይ 'ዝተረስዑ' ንምርኢት ቐሪባ።

አዳላዊት እቲ ፊልም መንእሰይ ሳብሪና ጀሚል አማን ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዳ ዝዓበየት ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ኮይና ኣብ ሓደ ናይ ቤተሰብ ምትእኽካብ ብዝሰምዓቶ መሪር ተመክሮ ናብራ መዓስከር ስደተኛታት ስደት ነዚ ሰናዲ ፊልም ንምድላው ኣብ 2015 ዓ.ም ናብ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ብምጉዓዝ ነዚ ፊልም ምስናዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ምግላጻ ይዝከር።

ነቲ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ድሕሪ’ቲ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 25, 2018 ኣብ ቨርጂንያ ዝተዳለወ ምምራቕ እቲ ፊልም ንሳብሪና ገለ ካብቲ ፊልም ዝተዓዘብኽዎ ከተብርሃለይ ሕቶታት ኣቕሪበላ ኔረ።

ፈላማይ ሕቶ ነዚ ሰናዲ ፊልም ቀሪጻ ንምርኢት ንምቕራብ ክንደይ ዝአኽል ጊዜ ከምዝወሰደላን ኣብ መስርሕ ምድላው’ዚ ፊልም ዝገጠማ ዝዓበየ ብድሆ እንታይ ምኳኑ ክትገልጸለይ ሓቲተያ?

“ ናብ ሱዳን ከይደ ነዚ ፊልም ቀሪጸ ክሳብ ንምርኢት ዘቕረብኹሉ ጊዜ ክልተ ዓመተን ፈረቓን ወሲዱለይ። እቲ ዝዓበየ ዝገጠመኒ ብድሆ ፋይናንሳዊ ብድሆ’ዩ። እዚ ስራሕ ሰናዲ ስራሕ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ዝርከብ ትርፊ ወይ ጥቕሚ የለን ስለዚ ክሳብ መወዳእታ ዘድልይ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣብ ምርኻብ ብዙሕ ጊዜ ጠፊኡ’ዩ። ድሒሩ ግን ብዙሓት ተሓባበርትን ረኺበ እቲ ስራሕ ክዕወት ክኢሉ።”

ሳብሪና ነቲ 'The Forgotte' ወይ ዝተረስዑ ዝብል ኣርእስቲ’ቲ ፊልም ብኸመይ ከምዝመጸት ከተረድእ ከላ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኩነታቶም ከምዝተረሰዓ ምግላጾም ብፍላይ ድማ እቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ቦታ ክነብሩ ዝጸንሑ “ዓለም ጉዳይና ረሲዕዎ’ዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ ከምዘለዎም በዚ ምክንያት ድማ እቲ ኣርእስቲ ነቲ ሰናዲ ፊልም ከምዝተመርጸ ተረድእ።

ቀጺለ ንሳብሪና ዘቕረብኹላ ሕቶ እዚ ሰናዲ ፊልም ክትሰርሖ ዝተበገሰት ብሰንኪ ታሪኽ ሓደ መንእሰይ ከም ምዃኑ መጠን እቲ ፊልም ኣብ ዙርያ ታሪኽ እቲ መንእሰይ ወይ’ውን ታሪኽ ሓደ ስደተኛ እንተዝኸውን ተመክሮ’ቲ ናብራ ዝያዳ ንካልኦት ኣብ ምብጻሕ ኣይመሓሽን ዝብል'ዩ ኔሩ።

“ ብርግጽ እቲ ታሪኽ ኢብራሂም’ዪ ነዚ ኣበጊሱኒ ግን ኸአ እቲ ከመሓላለፍ ዝደለኽዎ ታሪኽ … ታሪኽ ሓንቲ ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት መንእሰይ ካብ ኣሜሪካ ተበጊሳ ነዚ ጉዕዞ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ብምፍጻም ናብራ መዓስከር ስደተኛታት ዝተዓዘብት’ዩ። ሓደ መንእሰይ ብዙሕ ብድሆን ጸገም ኣሕሊፉ ኣብ ዝደልዮ ክበጽሕ ይክእል’ዩ። እቲ ከሕልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ ግን ብዛዕባ ከምዚኦም ዓይነት ስደተኛታት ዘይኾነ ብዛዕባ እቶም ብብዙሕ ጸገም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዓመታት ዝነብሩ ስደተኛታት እዩ።”

ኣብ መወዳእታ ንሳብሪና ዘቕረብኹላ ሕቶ ኣብ ምሉእ እቲ 60 ደቒቕ ንውሓት ዘለዎ ሰናዲ ፊልም ዝቐረቡ ሰባት ዝበዝሑ ብዕድመ ዝደፍኡን ትሕቲ ዕድመን እዮም። እቲ ብብዝሒ ዝስደድ ዘሎ ድማ መንእሰይ እዩ ብተወሳኺ እዚ መንእሰይ’ዚ እዚ እዩ ምስ ባህርያዊን ሰብ ሰርሖ ሓደጋታት ኣጸጋሚን ሓደገኛን ጉዕዞ ብምፍጻም ናብ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ክበጽሕ ዝፍትን ስለዚ ነዚ ክፍል’ቲ ስደተኛ ኣብቲ ሰናዲ ፊልም ንምንታይ ዘይሓወሰ ወይ ዘየጠቓለለ?

“ ከምቲ ኣብቲ ፊልም ዝተዓዘብክዮ ካብ ዝበጻሕናዮም መዓስከራት ሓደ ወዲ ሸሪፈ ዝበሃል መዓስከር ካብቶም ሓደሽቲ መጻእቲ ዝዕቆብሉ መዓስከር’ዩ እንተኾነ መብዛሕቶም እቶም መንእሰያት ናብ ካሜራ ቀሪቦም ርእይቶ ክህቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።ይሰግኡ እዮም። ብተወሳኺ እቲ ሰናዲ ፊልም ብሕቡእ ይቕረጽ(ይቕዳሕ) ስለዝነበረ ብእምነት ቃሎም ክህቡና ኣጸጋሚ ኔሩ።”

ኣብቲ ኣብ ቨርጂንያ ዝተካየደ ምርኢት ሰናዲት ፊልም 'The Forgotte' ካብ ዝተሳተፉ ሰባት ገለ አዘራሪብና ኣለና ርእይ ኦም ሂቦም ኣለው።

'ዝተረስዑ' ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰናዲ ፊልም ንምርኢት ቐሪቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:29 0:00

XS
SM
MD
LG