ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምክልካል ዝነጥፉ መንእሰያት ክልል ትግራይ


ቫይረስ ኮረና ዘብፅሖ ፅልዋ ብምርዳእ መናእሰይ ብሰናይ ፍቓዶም ሕብረተሰብ ኣብ ምንቃሕን ብተወሳኺ ድማ ዝተፈላለዩ ናውቲ ፅርየት ኣብ ጎደናታት ብምቕራብ ህዝቢ ክጥቀመሎም ይሰርሑ ኣለዉ::

ኣብ ጎደናታት ከተማ መቐለ መሕፀቢ ኢድ ንክህሉ ብተወሳኺ ድማ ካብ ካልኦት ክልላት ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ኢዶም ተሓፂቦምን መካይኖም ድማ ብኬሚካል ተፀሪገን ንክኣትዋ ዝሰርሑ መናእሰይ ኣለዉ::

ተኽሊት ሃይላይ ኣብ ከተማ መቐለ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ምስ መሓዝቱ ይሰርሕ ዘሎ መንእሰይ ሓደ እዩ:: ለበዳ ቫይረስ ኮረና ዘብፅሖ ጉድኣት ስለዝተረዳእና ኢና ኣቐዲምና ንምክልኻል ብዓቕምና ስራሓት ዝጀመርና ይብል::

እቲ ለበዳ ንምክልኻል ምሕፃብ ኢድ ኣገዳሲ ምኻኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምግላፁ ኣብ ጎደናታት መቐለ መሕፀቢ ኢድ ንክህሉ ንሰብ ሃብቲ ኣዘራሪብና ስራሕ ጀሚርና ኢሉ:: እቲ ኢድ መሕፀቢ ኣብ ምዕፃውን ምኽፋትን ብኢድ ምትንኻፍ ስለዘለዎ ነዚ ንምትራፍ ድማ ብእግሪ ዝኽፈትን ዝዕፆን ምስ ሰብ ሞያ ተዘራሪብና ኣስሪሕና ይብል::

ካብ ካልኦት ክልላት ናብ ክልል ትግራይ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ድማ ብሓደ ግዘ 4 ሰባት ኢዶም ዝሕፀብሉ ኣብ ከባቢ ኣሸጎደ ሰሪሖም ከምዝቐረቡ ዝተዛረበ ተኽሊት መካይን ድማ ብኬሚካል ተነፂገን ንክኣትዋ ኩነታት ኣመዓራሪና ኣለና ኢሉ:: እዚ ስራሕ ከም መበገሲ ብምግባር መንግስቲ ኣብ ኩሎም ናብ ትግራይ መእተዊ በሪ ክግበር መለዓዐሊ እዩ ይብል:: እቲ ይፍፅምዎ ዘሎ ስራሕቲ መንግስቲ ኣብ ዘይጀምሮን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምእዋጁ ኣቐዲሙ እዮም ዝጀመርዎ:: ንፅጉማት ወገናት ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ዝሕግዞም ናውቲ ፅርየት እውን ሰብሃብቲን ግዱሳት ወገናት ብምትሕብባር ይሰርሑ ኣለው:: ኣብ ምክልኻል ለበዳ ቫይረስ ኮረና ኣሓይሉ ምስ መሓዝቱ ከምዝሰርሕ ተኽሊት ይዛረብ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምክልካል ዝነጥፉ መንእሰያት ክልል ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:13 0:00


XS
SM
MD
LG