ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዝረአዩ ግጭታት ንዝተጀመሩ ለውጢ ዝዕንቕፉ ኣይኮኑን” ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሶሉስ ምስ ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ከም አካል እቲ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣውሮጳ ዘካይድዎ ዘለው ዑደት ሎሚ ሶሉስ ጀርመን ኣትዮም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ወፍሪ ብዝምልከት ኣብ በርሊን ዝኻየድ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ 20ን ኣፍሪቃን ክሳተፉ’ዮም።

ዑደት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:54 0:00

ኣቐዲሞም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ፈረንሳ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ማርኮ ዝተራኸቡ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር በግዚኡ ዘጋጥሙ ግጭታት ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ዝዕንቕፉ ኣይኮኑን ኢሎም።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ማርኮን ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ምፍታሕ ወጥሪ ጅቡቲን ኤርትራን ፈረንሳ ናይ መሪሕነት ተራ ንምጽዋት ምስምማዓ ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው ፕረዚደንት ማርኮ ብወገኖም ኣብቲ ዞባ ሰላማ ንምስፋን ብቀ/ሚ ኣብይ ዝካየዱ ጻዕርታትን ኣብ ምሕያል ቁጠባ’ቲ ዞባን ከምዝተሓባበሩ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG