ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝመጽእ ምርጫ ኢትዮጵያን ግብረመልሲ ገለ ፓርቲታትን


 ፋይል: ምዝገባ መረጽቲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ዝተወስደ
ፋይል: ምዝገባ መረጽቲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ዝተወስደ

ኣብ ኣምቦ ወፍሪ ምርጫ ዝነበሮም ሓላፊ ፓርቲ ብልጽግና ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ፓርቶም እንተተዓዊቱ፣ ብፍልጠት፣ ቴክኖሎጂ፣ ብቁጠባን ብኣገባብን ክሰርሕ’ዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ብካልእ ወገን፣ ኣብ’ቲ "ናይ ኣምስሉ" ዝበሎ ምርጫ ኦነግ ስለዘይተሳተፈ ከምዘይጣዓስ ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ኦነግ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ኦነግ ብወገኖም "ዋላ’ውን ኣብ’ቲ ምርጫ እንተዘይተሳተፍና፣ ኣብ ፖለቲካ’ታ ሃገር ዝጀመርናዮ ተሳትፎ ብሰላማዊ ኣገባብ ክንቅጽለሉ ኢና" ከምዝበሉ እቲ ዜና ገሊጹ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኦፌኮ ኣቶ ጥሩነህ ብወገኖም "ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ክልል ኦሮምያ በይኑ ተወዳዳሪ ኮይኑ ምቅራቡ፣ ንናይ’ታ ሃገር ጸገም ዘጋድድ’ምበር ካልእ ረብሓ ኣለዎ ኢልና ኣይንኣምንን" ከምዝበሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ሻድሻይ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ሶኑይ ከምዝካየድ ዝገለጸ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር፣ ኣብ ትግራይ፣ ሃረሪ፣ ሶማሌ ሙሉእ ንሙሉእ፣ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ድማ ገለ ከባቢታት፣ ብሰንኪ ጸጥታን ካልኦት ጸገማትን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ምርጫ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ እዩ ።

XS
SM
MD
LG