ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝመሓየሽ ዘሎ ረቒቕ ሕጊ ንናይ ጸረ ሽበራ ሕጊ ፈጺሙ ዝስዕር'ዩ ተባሂሉ


ኣዋጅ ረቂቕ ፀረ-ሽብራ ንናይቲ ዝነበረ ሕጊ ዘመሓይሽ ጥራሕ ዘይኮነስ ፈፂሙ ዝስዕር እዩ ክብሉ ነቲ ረቂቕ ዘቕረበ ግብረ-ሓይሊ ኣቦ መንበር ሓቢሮም።እቲ ግብረ-ሓይሊ ኣብዘዳለዎ ረቂቕ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ቀሪቦም ኣለው።እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝምራሕ እውን ገሊፆም ኣለው።

ነቲ ሕጊ ንምምሕያሽ ብዝተጣየሸ ግብረ-ሓይሊ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዝተኻየደ ምይይጥ ምናልባሽ ናይ መወዳእታ ክኸውን ከምዝኽእል ናይቲ ግብረ-ሓይሊ ኣተሓባባሪ ኣቶ ኣምሃ መኮነን ገሊፆም።

ንሶም እቲ ዝነበረ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ተሳዒሩ ንዕኡ ዝትክእ ሓዱሽ ረቂቕ ሕጊ ከምዝቐረበ ኣቶ ኣምሃ ገሊፆም።እቲ ናይ ቀደም ሕጊ ምሉእ ጠመትኡ ንግብረሽብራ ብብቕዓት ምክልኻል፣ምውጋእ ዝብል ከምዝነበረን ኣብ ከይዲ መሰል ንፁሃን ዜጋታት ከይሸራርፍ ተጠርጠርቲ ጉድኣት ከይወርዶም ዝብል ከምዘይነበሮ ሓቢሮም።

ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ረቒቅ ድማ ከምዚ ኢሎም “እዚ ሕጂ ዝወፀ ሕጊ ግን ካብ መጀመሪያ፣ካብ መእተዊ ናይዚ ሕጊ ሓደ ዕላማ ዝሓዘ’ዩ ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር ክኽበር ምግባርን” ኢሎም።

ኣቶ ኣምሃ ወሲኾም እቲ ሕጊ ንምትርጓም ይኹን ንምፍፃም ስልጣንን ሓላፍነትን ዘለዎም ትካላት ኢትዮጵያ ብዓለምለኸ ደረጃ ተቐባልነት ዘለዎም ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ከምዘለዎ ዘቐመጠ እዩ ኢሎም ።

“ኮነ ኢሉ ወይ ብሸለልተኝነት ነዚ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጉድኣት ዘውርድ ኣካል ሽዑ ንሽዑ ብምምሕዳር፣ብገበን ከምኡ እውን ብፍታብሄር ተሓታቲ ዝኾነሉ ኣገባብ ተቐሚጡ’ሎ።”

ኣብቲ ምይይጥ ካብ ዝተሳተፉ ገሊኦም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ እቲ ሕጊ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተፈለየ ሓድሽን ዝምስገንን እዩ ኢሎም ኣለው።ጉድኣት ዝወረዶም ንፁሃን ተጠርጠርቲ ዝክሓስሉ ኣብቲ ረቂቕ ዝተቐመጠ ዓንቀጽ ዝንኣድ ከምዝኾነ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊፆም።

ኣቶ ኣምሃ መኮነን ከምዝገለፁዎ ግን ፅቡቕ ሕጊ ምውፃእ ናይ መወዳእታ ስራሕ ኣይኮነን።እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኣብ ዘረጋግፁ ተቋማት እውን ተመሳሳሊ ለውጢ ክህሊ ኣለዎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG