ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛምቢያ ንተቓወምቲ ንምዕባስ የገልግል ኔሩ ዝተባህለ ሕጊ ጸረ-ጸለመ ኣልዒላቶ


ፋይል
ፋይል

ዛምቢያ ንተቓወምቲ ንምዕባስ የገልግል ኔሩ ዝተባህለ ሕጊ ጸረ-ጸለመ ኣልዒላቶ። ነቲ ሕጊ ዝቃወሙ ዝነበሩ ነቐፍቲ ድማ ንደሞክራሲ ዝሕግዝ ስጉምቲ`ዩ ብምባል ብታሕጓስ ተቐቢሎሞ።

ፕረዚደንት ዛምቢያ ሃካይንደ ሂቺለይማ ነቲ ንሰበ-ስልጣን ኣጸሊምካ ተባሂሉ ዝቐጽዕ ዝነበረ ሕጊ ከም ዝተላዕለ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ፡ሰንበት ኣዊጁ`ሎ። ምስኡ`ውን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣትሪፍዎ`ሎ። ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ዳንኤል ሲንጅዋላ ሊባቲ ካብ መንጎ በቲ ስጉምቲ ምልዓል ሕጊ ጸረ ጸለመ ዝተሓጎሱ`ዩ።

“ኣዝዩ ጽቡቕ ስጉምቲ`ዩ። ሰባት ብናጻ ክነቕፉ ዘፍቅድ`ዩ። ክጸርፉ ዘይኮነስ ነቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከይተረፈ ብናጻ ክነቕፉ ዘፍቅድ ስጉምቲ`ዩ። ብመሰረት ሕግታት መሰልና፡ ሃናጺ ዝኾነ ነቔፈታ ኣብ ምሃብ ንኣሰራርሓና ብሚዛናውነት ንክንፍትሽ ዝሕግዘና`ዩ።"

ፖለቲካዊ ተንታኒ ጉዩስ ኒረንዳ ብወገኑ ብምምሕያሽ`ቲ ሕጊ ከምዝተሓጎሰ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ዛምቢያ ናይ ምዝራብ ናጽነት ተግባራዊ ንምግባር ግን ብዙሕ ይተርፈና`ዩ ይብል።

“ፕረዚደንት ሃከይንደ ሂችለይማ ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣብ ምቕጻል፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ጸቓጥን ዝኣረገን ሕግታት ኣብ ምፍራስ ብኣብነት ክመርሕ ንጽውዕ።”

ብሕጊ፡ ጸረ-ጸለመ ብዙሕ ግዜ ዝተኣስረት መራሒት ተቓዋሚ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ሳቦይ ኢምቦላ ብወገና፡ እቲ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወጸ ሕጊ ምትራፉ ብሓጎስ ከም ትቕበሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ኣጠቓቕምኡ ግን ዜጋታት ጥንቃቐ ክወስዱ ትምዕድ።

“ንተቓወምቲ ንኽረኽቡ ክብሉ፡ ኩሉ ኣብ ኢዶም ዘሎ ሕግታት ክጥቀሙ`ዮም ዝብል እምነት`ዩ ዘሎኒ። ስለዚ ዜጋታት ዛምቢያ ክዛነዩ የብሎምን። እኳ ደኣ ካብ ቅድሚ ሎሚ ብዝለዓለ ክጥንቀቑ ኣለዎም። ኣብ ፈይስቡክ ወጽዮም ንዝብልዎ ነገር፡ በቲ ፕረዚደንትን ናቱ ሰባትን ብሕጊ፡ ሳይበር ክመጽዎም ይኽእሉ`ዮም። ”

ፕረዚደንት ዛምቢያ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ`ውን ኣብታ ሃገር ምትራፉ ዕላዊ ጌሩ`ሎ። ኣብታ ሃገር 250 ሰባት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝጽበዩ ስለዝነበሩ ክመሓሩ`ዮም ማለት`ዩ። ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዛምቢያ ምወልዋ ሙለያ፡ ነቲ ሕግታት ጸረ-ጸለመን መቕጻዕቲ ሞትን ምስራዝ መሰረታዊ መሰላት ኣብ ምኽባር ኣገዳሲ`ዩ ሰባት ድማ ናይ ምዝራብ ናጽነቶም ከስተማቕሩ ይግባእ ኢሉ።

ኣብ መጀመርያ`ዚ ዓመት ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኤግነስ ካላማርድ ምስ ፕረዚደንት ሂችለይማ ድሕሪ ምርኻብ እቲ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝጸደቐ ሕጊ ጸረ-ጸለመ ክልዓል ጸዊዓ ኔራ።

ፕረዚደንት ሂችሊማ ብወገኑ ኣብ እዋን ጓስጓስ ምርጫ ንሰብኣዊ መሰላትን ናጽነት ምዝራብን ከም ዘኽብር ቃል ኣትዩ ኔሩ`ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራይ ብውሕዱ 12 ነቐፍቲን ተቓወምትን ተኣሲሮም ኔሮም`ዮም፡ ንፕረዚደንት ጸሪፍኩም ተባሂሎም።

XS
SM
MD
LG