ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዚምባብወ ፈለማ በዓል ናጽነት ብዘይ ሙጋበ ጸንቢላ


ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ ኣብ በዓል ጽንብል ናጽነት ዚምባብወ
ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ ኣብ በዓል ጽንብል ናጽነት ዚምባብወ

ዚምባብወ መበል 38 በዓል ናጽነታ ንፈለማ ግዜ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ትማሊ ረቡዕ ጸንቢላ።

ፕረዚደንት ዚምባብወ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ኣብ በዓል ጽንብል ናጽነት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ: "ዘይከኣል ነገር የለን" ድሕሪ ምባሉ "ዚምባብወ ዳግማይ ክትንስእ እያ" ኢሉ።

ዝሓለፈ ሕዳር 4 ኣብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ: ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ብሓያል ወተሃደራዊ ጸቕጢ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ እዩ።

ምብርባር ዝተረመሰ ቁጠባታ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ሓድሽ መራሒ ዚምባብወ ክኸውን እንከሎ ፤ እቲ ፕረዚደንት ዋላኳ ኣብ ምርማስ ቁጠባታ ሃገር ተራ ኣብ ዝነበሮ ሕሉፍ ምምሕዳርታ ሃገር እንተነበረ፤ ሕጂ ግን ኣብታ ሃገር ለውጢ ንምምጻእ ተመባጺዑን ኣውፈርቲ ንምዕዳምን ይሰርሕ ምህላውን ድማ ገሊጹ።

" ዳግማይ ክንብህግ: ክንትስፎን ክንኣምምን ክኢልና ኣለና" ዝበለ ፕረዚደንት ምናንጋግዋ ቁጠባ'ታ ሃገር ካብ 3.7 ሚእታዊት ዝሓለፈ ዓመት ናብ 4.5 ሚእታዊት ኣብ 2018 ከምዝዓበየ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG