ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዚምባብወ ጸረ ኤችኣይቪ ክታበት ምሃብ ጀሚራ


ፋይል
ፋይል

ዚምባብዌ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብኽታበት መልክዕ ዝውሰድ ናይ ጸረ ኤችኣይቪ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና። ብዙሓት ዚምባብዌያውያን ድማ ብቐሊሉ ክረኽብዎ ዝኽእለሉ ኣገባብ ብሃንቀውታ ይፅብዩ ኣለዉ።

መንነታ ክትገልፅ ዘይደለየት ዚምባብዌያዊት ጓል ኣንስተይቲ ንስራሕ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ነዚ ካቦቴግራቪር ዝተባህለ ኽታበት ናይ ምውሳድ ዕድል ከምዝረኸበት ድሕሪ ምግላፅ ቅድሚኡ ንሸውዓተ ዓመታት መዓልታዊ ዝወሓጥ ከኒና ክትወስድ ምፅናሓ ተዛሪባ። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ዚምባብዌ ምጅማሩ ነቲ ኣብ ክልተ ወርሒ ሓደ ግዜ ጥራሕ ዝውሰድ ክታበት ንምኽታብ ተስፋ ጌራ ኣላ።

ዚምባብዌ ነዚ ካቦቴግራቪር ዝተባህለ ክታበት ጸረ ኤችኣይቪ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ዘፍቀደት ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና ኣመሪካ ነዚ ክታበት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ከተፅድቕ ከላ ኣውስትራልያ ድማ ኣብ 2022 ተቐቢላቶ እያ።

ትካል ጥዕና ዓለም ብወገኑ ዚምባብዌ ካቦቴግራቪን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ብምፍቃዳ ኣመስጊኑ እዚ ክታበት ኣብ ምክልኻል ኤችኣይቪ ዝያዳ ዘተኣማምንን ውፅኢታውን መገድታት ንምኽፋት ዝሕግዝ እዩ ኢሉ። ብዓልስልጣን ምቁጽጻር ሕማማት ዚምባብዌ ክታበት ካቦቴግራቪር ኣብዚ እዋን ንምክልኻል ኤችኣይቪ ከምዘገልግል ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG