ዋሽንግተን —
ዚምባቤው 60 ቢሊዮን ዶላር ክውድእ ትፅቢት ዝግበረሉ ዘመናዊ ሓዱሽ ህንፃታት መንግስቲን ፕረዚደንታዊ ቤተ መንግስትን ዝሓዘ ‘’ዚም ሳይበር ሲቲ’’ ዝተባህለ ከተማ ክትሃንፅ ተሊማ። ነቐፍቲ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ድኽነት እናነበሩ ክንዲ'ዚ ዝኸውን ገንዘብ ወፃኢ ምግባር ብኽነት ነታ ሕጂ ዘላ ርእሰ ከተማ ሃራሬ ድማ ከም ምፍራስ ዝቑፀር እዩ ክብሉ ነቲ ትልሚ ይነቕፉዎ ኣለው።
መንግስቲ ዚምባቤው ከምዝበሎ ዕ‘’ዚም ሳይበር ሲቲ’’ ካብ ሃራሬ 30 ደቓይቕ ዘዊርካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ማሕበረሰብ ማውንት ሃምፕደን ንዋና ከተማ ሃራሬ ዝትክእ እዩ።ፅቕጥቅጥ ዘወግድ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።ገሊኡ ህንፀት ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክውዳእ ትፅቢት ይግበር።