ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዚምባብወ፡ ሃገራዊ ምርጫ ስዒቡ ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዙምባቤ ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ ስዒቡ ተቓወምትን ሓይልታት ፀጥታን ኣብ ዋና ከተማ ሃራሬ ተጋጭዮም ክልተ ሰባት ብጥይት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።ውፅኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ወግዓዊ ክኸውን ኣብ ልዕሊ ዝሓተቱ ወታደራትን ፖሊስን ሎሚ ረቡዕ ቶኽሲ ከፊቶም ኣለው።

ዚምባብወ፡ ሃገራዊ ምርጫ ስዒቡ ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:30 0:00

መራሒ ተቓዋሚ ኔልሰን ቻሚሳ ንፕረዚዳንት ኤመርሰን ሙናንጋግዋ ብምስዓር “ተዓዊተ ኣለኹ” ክብሉ ኣዊጆም ኣለው።

ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከቡ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ቅድሚ እቲ ምርጫ ስዉር ምፍርራህ ነይሩ፤እቲ ውፅኢት ብዝደንጎየ ቁፅሪ ድማ ወጥሪ ፈጥር ይኽእል እዩ ክብሉ ስኽፍትታቶም ገሊፆም።

ነቲ ምርጫ ክዕዘቡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተለኣኹ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ብመሰረት ሕጊ እቲ መስርሕ ከሳልጦ ፀዊዖም።ሰብ ትሕጃ፣ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ መራሕትን ደገፍቶምን ነቲ መስርሕ ኣብ ሓደጋ ካብ ዘውድቕን ናይታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ስግኣት ካብ ዘውድቕን ተግባራትን ክእደቡ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG