ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዙር ሩዋንዳ: ድርብ ዓወት ናትናኤል ብጫ ማልያ ኣብ ዝባን ኤርትራውያን ክትቅጽል ደሪኽዋ


ሎሚ ኣብ ዝተኻየደን 206 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሸፈነን ራብዓይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ 2020 ብድርብ ዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይን መራሒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተዛዚሙ።

ኣብቲ ካብ ሩስዚ ናብ ሩባቩ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ: ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣባል ፕሮታችን ሩዋንዳዊ ተቐዳዳማይ ሞይስ ሙግሻ ድሕሪ ዘካየዶ ህልኽ ዝመልኦ ውድድር ቀዲሙ መስመር ፍጻመ ረጊጹ። በዚ ድማ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ነታ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዋ ብጫ ማልያ ክዕወተላ ክኢሉ ጥራይ ዘይኮነ: ካብ ናይ ትማሊ ሳልሳይ መድረኽ ዕውት ኤርትራዊ ኣባል ክለብ ኒፖ ደልኮ ዝኾነ ቢንያም ግርማይ ሃይሉ ተቐቢሉ ኣብ ዝባን ኤርትራውያን ክዕቅባ ምኽኣሉ ፍሉይ ገይርዎ ኣሎ።




ብመሰረት ወግዓዊ ሰሌዳ ውጽኢት ዙር ርዋንዳ ዕውት ራብዓይ መድረኽን ወናኒ ብጫ ማልያን ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ካልኣይ ንዝወጸ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ከንት መይን ብሓደ ካልኢት ፤ ንሳልሳይ ኮይኑ ዝተዓወተ ሩዋንዳዊ ሞይስ ሙጉሻ ድማ ሸሞንተ ካልኢት ቀዲሙ ነቲ ዝተሰርዐ ራብዓይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ብምፍጻሙዩ ተዓዋቲ ክኸውን በቒዑ።


በዚ ድማ ብጫ ማልያ ብዕውት ራብዓይ መድረኽ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን፤ ቀጠልያ ማልያ ብኤርትራዊ ዳዊት የማነ ብሉጽ ቮላቲስታ ወይድማ ተዓዋቲ ቅጽበታዊ ውድድር ፥ ጻዕዳ ማልያ ብሉጽ ናይ ትሕቲ ዕድመ ተቐዳዳማይ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኮይኖም ኣብ መሪሕነት ይቕጽሉ ኣለው። ተወላዲ ቺለ ንኣንጎላዊት ክለብ BAI ዝቀዳደም ካርሎስ ኣያሩስ ብሉጽ ናይ ዓቀብ ተባሂሉ ተረቑሑ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዙር ርዋንዳ መሪሕነታ ዓቂባ ትቕጽል ኣላ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ዙር ጋቦን ንብጫ ማልያ ብሓንቲ ካልኢት ከሲርዋ ምንባሩ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG