ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዙር ሩዋንዳ: ናትናኤል ብጫ ማልያ ዓቂቡ


ኣብቲ ሎሚ ካብ ሙሳንዘ ናብ ሙሃንጋ ዝተኻየደ 127.3 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ሻድሻይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ኮሎምብያዊ ዮናታን ቫለንስያ ቀዳማይ፡ ስዊዘርላንዳዊ ፓትሪክ ሸሊንግ ካልኣይ ከምኡ’ውን ካልእ ኮሎምብያዊ ካርሎስ ኮንተሮ ነይሮ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ነቲ ውድ ር ፈጺሞሞ።

ኣባል ክልብ ኒፖ ደልኮ ኢትዮጵያዊ ክንፈ ሃይለሚካኤል ድማ ሻብዓይ ደረጃ ሒዙ ነቲ ናይ መድረኽ ውድድር ፈጺሙ።

ዛጊት ኣብ ብጫ ማልያ ዝመጸ ለውጢ እኳ እንተዘየለ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጫ ማልያ ዓቂቡ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ተሰጋጊሩ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዳዊት የማነ ናይ ብሉጽ ቅጽበታዊ ተጻዋታይ ማልይኡ ዓቂቡ ኣሎ። ብሓፈሻ ክርአ ከሎ እዚ መድረኽ’ዚ ሓያል ብድሆ ዝነበሮ ብምንባሩ መሪሕነት ናትናኤል ናይ ብጫ ማልያ ናብ ልዕሊ ሓደ ደቒቕ ጥራይ ክወርድ ክኢሉ ኣሎ።

ሩዋንዳዊ ሞይስ ሙጊሻ ንናትናኤል ኣጥቂዑ ሓያል ምንቅስቓስ ብምርኣይ ድሮ ነታ ኣብ ዝባን ናትናኤል ዘላ ብጫ ማልያ ክመጣጠራ ክኢሉ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ናይ ግዜ ማለት ናይ ክሮኖመተር ውድድር ኣንጸባራቒ ዓወት ከመዝግብ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዓቢ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ ተወዳዳራይ’ውን እዩ።

XS
SM
MD
LG