ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በረድ ሓዘል ዘይንቡር ኩነታት ኣየር ኣመሪካ ልዕሊ 32 ሰባት ቀቲሉ


ኣብ ቅነ በዓል ልደት ንሓያሎ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ዝሸፈነ ኣዝዩ ዝሑል ኵነታት ኣየር፡ ንሚልዮናት ብዘይ መብራህቲ ኣትሪፉ፡ ልዕሊ 32 ዜጋታት ድማ ምቕታሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

እቲ ብርቱዕ ቀዝሒ ብመጠኑ ይቃለል ደኣ’ምበር፡ ክሳብ ሰሉስ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ክቕጽል ትጽቢት ከም ዝግበሮ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ኣመሪካ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ካብተን በዚ ኩነታት ኣየር ዝተጸልዋ ዝኸፍእት ክፍለ-ሃገር ኒው-ዮርክን ከባቢ ባፋሎን ምዃኑ እቲ ዜና ይጠቅስ። ብሰንኪ’ቲ ኩነታት ኣየርን ምስኡ ዝተኣሳሰር ኩነታትን ዝሞቱ መብዛሕትኦም ካብ ባፋሎ ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ምብራቓዊ ወገን ኣመሪካ፡ ኣብ በዓል ልደት ኣስታት 200-ሽሕ ሰባት መብራህቲ ከም ዘይነበሮም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ የመልክት።

ኣብ እዋን መገሻ ልደት ኣብተን ዓበይቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ዝርከበን ከተማታት ኣትላንታ፡ ቺካጎ፡ ደንቨር፡ ዲትሮይትን ኒው-ዮርክን፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ሓያሎ በረራታት ተሰሪዙ። ብድምሩ ኣብ ምሉእ ኣመሪካ ካብ ዓርቢ ክሳብ ቀዳም ኣብ ዝነበረ እዋናት ልዕሊ 12-ሽሕ በረራታት ከም ዝተሰረዘ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጠቒሱ።

ገለ እዋን ኣብ ቀዳም፡ ክሳብ 1.7 ሚልዮን ዝበጽሑ ህዝቢ ብዘይ መብራህቲ ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ዛሕሊ፡ ኣብ ኣመሪካ ናብ ምዝዛም ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ናብ ካናዳ ገጹ የቕንዕ ምህላዉ በዓል-መዚ ኩነታት ኣየር ይሕብር።

XS
SM
MD
LG