ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘይምዕሩይ ምምቕራሕ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ቀንዲ ዛዕባ ባይቶ ሕ/ሃ ኮይኑ ውዒሉ


ፕረዚደንት ጋና ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት 2021
ፕረዚደንት ጋና ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት 2021

ኣብ መበል 76 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ መደረ ከስምዑ ተሰሪዖም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ክርይል ራማፎዛ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ እድሪስ ደቢ ናይ ጫድ፣ ናይ ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቪኒን ይርከቡዎም። ምምቕራሐ ክታበት ኮቪድ 19 ሓደ ካብ ዓበይቲ ዛዕባታት ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ`ሎ።

ትማሊ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝተመርሐ ኣኼባ ገለ መራሕቲ ዝተሳተፈ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ክርይል ራማፎዛ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ብጽሒት ክታበት ፍትሓውን ሞራላውን ኣይኮነን ክብል እንከሎ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ናይ ኬንያ’ውን ብተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ከም ኣመሪካ ዝበላ ሃገራት ንህዝበን ሕልፍን ትርፍን ክታበት ኮቪድ ኣብ ዝሓዛሉ እዋን፡ ካልኦት ሃገራት ብዋሕዲ ቀረባት ክታበት ይሳቐያ ከምዘለዋ`ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ-ኤይ-ሲዲሲ- 4% ህዝቢ ኣፍሪቃ ጥራሕ ከምዝተኸተበ ይገልጽ።

ኣብ ዓለም ካብ ዝተዋህበ 6 ቢልየን ክታበት ኮቪድ፡ ኣብ`ታ 1.2 ቢልየን ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪቃ 2% ጥራይ ምውሃቡ ከምዘሕዘኖ ፕረዚደንት ክርይል ራማፎዛ ገሊጹ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ እዋን፡ ሃገሩ ንኻልኦት ሃገራት ንምክፍፋል፡ ተወሳኺ 500 ሚልየን ክታበት ትዕድግ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ክንዲ ብኣካል ኣብ ኒው ዮርክ ተረኺቦም ዝምድሩ፡ ብድምጺ ዝተቐረጸ መልእኽቲ`ዮም ተዛሪቦም። ሎሚ ካብ ዝተሰምዐ መደረታት ፍርቁ ኣቐዲሙ ዝተቐርጸ`ዩ።

ናይ ኬንያ ፕረዚደንት ኡሁሩ ከንያታ ብወገኑ፡ ምዕሩይ ዕድላት ክታበት ንክህሉ ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ጸዊዑ።

ብርሕቐት መደረ ዘስምዐ ከንያታ፡ በቲ ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተተባብዐ ገሊጹ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ፡ ካብ ኮቪድ 19 ንምሕዋይ ተስፋ ጽንዓት ምህናጽ`ዩ ዝብል`ዩ።

ኬንያ ብኮቪድ ልዕሊ 5000 ሰባት ከምዝኸሰረት ዝገለጸ ኡሁሩ ከንያታ፡ ኮቪድ ከም ቱሪዝምን ወፍርን ብምጉዳእ ኣብ ቁጠባ ሃገሩ ኣብ ዓመት ዘይረኣየቶ ጽልዋ ከምዘሕደረ ጠቒሱ።

ነቲ ዝደኸመ ቁጠባ ዳግም ንምህናጽ ድማ ዓለማዊ ግብረ-መልስን ቀረባት ክታበት ኮቪድን ከምዘድሊ ጠቒሱ።

ኣብዚ ጉዳይ`ዚ ዓለማዊ ስርዓት ኣይሰርሕን ዘሎ ዝበለ ከንያታ፡ ነቶም ጸገማት ንምፍታሕ እንተላይ ብባይቶ ጸጥታ ዝተኣትወ ቃል ብዙሕ ኣይተተግበረን ኢሉ።

ዝመጽእ ወርሒ ከንያ ፕረዚደንትነት ባይቶ ጸጥታ ክትርከብ`ያ፧ ከንያ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝኮነትሉ እዋን ብዙሓት ጉዳያት ከምተልዕል- ሓደ ካብኡ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብኸመይ ንብዙሕነት ከድንቕ ከምዘለዎ፡ ንህንጸት ሰላም ምስራሕን ብከመይ ዘይሕጋዊ ኣጽዋራት ንወፍርታት ዓቃቢ ሰላም ይትንክፎ ከምዘሎ ከምኡ`ውን ንደቀንስትዮ ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ህንጸት ሰላምን ክሳተፋ ከምዘለወን ሃገሩ ከምትደፍኣሉ ኣፍሊጡ` ሎ።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ጋናን ኣቦ መንበር ኢካዋስን ናና ኣኩፎ ኣዶ፡ ኣብቲ ዋዕላ ብኣካል ዝተረኽበ ክኸውን ከሎ፡ ብፍላይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ከይተረፈ ደሞክራሲ ክጥቃዕ ርኢና ኢና ኢሉ።

ኣብ ጊኒን ማሊን ዝተገብረ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ዕንቅፋት እንተኮነ`ኳ፡ ማሕበረ-ሰብ ምዕራብ ኣፍሪቃ-ኢካዋስ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ደሞክራሲ ንምዕቃብ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣተሓሒዙ ድማ ኣፍሪቃ ኣብ ጉጅለ 20 ሃገራት ከም ኣባል ክትኣቱ ግቡእ`ዩ ክብል ጻዊዒት ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንትነት ካብ ዝርከብ ንፈለማ እዋን ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ መደረ ዘስምዐ ጆ ባይደን፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝተፈልዩ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮንን ፈረቓን ሰባት ብምጥቃስ እቲ ኣጋጣሚ ንኣህጉራዊ ዓለማዊ ምትሕብባር ዝጽውዕ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣመሪካ ካብቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐ መሪሕነት ዝተፈልየ መስመር ክትክተል ምዃና ዘነጸረ መደረ ፕረዚደንት ባይደን፡ መደርኡ ኣብ ዓለማዊ ለበዳ፡ ክሊማዊ ለውጢ፡ ሰብኣዊ መሰለት፡ ምዕባለ ቴክኖሎጂን ዘተኰረ’ዩ ነይሩ።

“ሕጂ እንወስዶ ስጕምቲ ንወለዶታት ዝጸሉ” ምዃኑ ዝጠቐሰ ባይደን፡ ምምሕዳሩ ነቲ ኣቐዲሙ ተበቲኹ ዝጸንሐ “ኣመሪካ ፈለማ” ብዝብል ምጕት ዘቐድም መርሓ ክቕይሮ ምዃኑ መደረኡ ኣብ መደረኡ ገሊጹ።

ገለ ካብቲ ፕረዚደንት ባይደን ዝጠቐሶ፡ ብሓይሊ ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝፍታሕ ጎንጺ ስለ ዘየለ፡ ምምሕዳሩ ኣብ ጽምዶ ርክባትን ዝምድናታትን ክሰርሕ ምዃኑ ምርኣይ’ዩ። ነዚ ከም ኣብነት ዝጠቐሶ ድማ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒጋስታን’ዩ።

XS
SM
MD
LG