ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘይሕጋዊ ስደት ዜጋታት ደው ንምባል ዝዓለመ መድረኽ ምኽክር ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ


ንሕርሻዊ ስራሕቲ ብምባል ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ዝሰግሩ ዜጋታት ብሕጋዊ መስርሕ ንምእታው ዝዓለመ ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲ መቐለን ዩኒቨርስቲ ገዳሪፍ ሱዳን ዝተዳለወ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ መድረኽ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ዜጋታት ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣዊን ፀገም ከም ዘጋጥሞም ተሓቢሩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብኣማኢት አሸሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ንሕርሻዊ ስራሕቲ ብዝብል ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዶብ ኢትዮጵያ ተሳጊሮም ናብ ሱዳን ይኸዱ ኣለዉ።

በዚ ድማ እዞም ዜጋታት ኣብ ኢድ ደላሎ ብምውዳቕ ምግልታዕ ይበፅሖም እዩ። ነዚ ንምትራፍ መንግስታት ክልትኤን ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ሕጊ ንምውፃእ ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ፃዕሪ እታዎት ዝኸውን መድረኽ ምኽክር ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲታት መቐለን ገዳሪፍን (ሱዳን) ኣብ ከተማ መቐለ ዋዕላ ተኻይዱ።

ኣብ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽንን ሓላፊ ኣተሓባበሪ ኬላታት ዶብ ኣይተ ግርማይ የማነ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ዜጋታት ጉድኣት ይበፅሖም ኣሎ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ እዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምሁራን ዘካይድዎም መፅናዕትታት ንመንግስቲ ብምቕራብ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ሓጋዚ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዘተ ተወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን ምሁራንን ዝተሳተፉ ክኾኑ ከለው ካብ ኢትዮጵያ ድማ ተወከልቲ መንግስቲን ካብ ዩኒቨርስቲታት መቐለ፣ ባህር ዳርን ጎንደርን ዝመጹ ምሁራን’ውን ተሳተፍቲ ኔሮም።

ኣብቲ መድረኽ ፅሑፍ ካብ ዘቕረቡ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ስነ ህዝቢ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ካብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ምውፀኦም ተዛሪቦም ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 30 ሚእታዊት ካብ ትግራይ ዝተሰደዱ ምኻኖም ዩኒቨርስቲኦም ዘካየዶ መፅናዕቲ ጠቒሶም ተዛሪቦም። በዚ ስደት ልዕሊ 1.1 ቢሊዮን ዶላር ዘይሕጋውያን ደላሎ ከምዝወሰዱ በቲ መፅናዕቲ ተረኺቡ ኢሎም።

ናይ ጉልበት ስራሕ ንምስራሕ ብዝብል ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝሰግሩ ዜጋታት ብብዝሒ ኣለዉ ዝበሉ ዶክተር ክንፈ እዚ ዝኸውን ዘሎ ነዞም ዜጋታት ዘተኣናግድ ሕጊ ስለ ዘየሎ እዩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ መድረኽ ኣብ ካርቱም፣ ገዳሪፍን ባህርዳርን ተኻይዱ ከምዝነበረ ተሓቢሩ። ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ገዳሪፍ ኢብራሂም ዓብደልሰላም ከምዚ ዓይነት መድረኽ ንክልቲኤን ሃገራት ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG