ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ደቡብ ኮርያ ኣድማኦም ቀጺሎም ኣለው


ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዝተጀመረ ኣድማ ደው ምባል ስራሕ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ሎሚ ሰኑይ ሸውዓተ መዓልቱ ኣቁፂሩ።ደሞዝ ክውሰኾም ዘቕረብዎ ጠለብ ምስ ተወከልቲ መንግስቲ ክሰማምዑ ኣይክኣሉን።

ሚንስትር መሬት፣መሰረተ ልምዓትን መጎዓዚያን መራሕቲ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ትማሊ ሰንበት ዝተሓተ ክፍሊት ብዝምልከት ዘካየድዎ ካልኣይ ዙር ዘተ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ'ሎ።

ኣስታት 7,500 ዘወርቲ ናይ ዓበይቲ መካይን ኣብቲ ኣድማ ይሳተፉ ኣለው።ንሳቶም ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ንኣታዊኦም ብከቢድ ኩነታት ስለ ዝሃሰዮ መንግስቲ ወሰኽ ክገብር ይሓቱ ኣለው።

XS
SM
MD
LG