ዋሽንግተን —
ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ጽዕነት ደቡብ ኮርያ ሽሕ`ኳ ናብ ስርሖም ክምለሱ መንግስታዊ ትእዛዝ እንተተመሓላለፈ ንኻልኣይ ሰሙኖም ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማኦም ቀጺሎም ኣለዉ።
ሕቶኦም መንግስቲ ንግዚኡ ሂብዎም ዝነበረ መበገሲ ክፍሊት ቀዋሚ ንክገብሮ ንምጽዋዕ`ዩ። ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ጽዕነት መንግስቲ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ካብ ዝተወሰነ ደረጃ ከይወርድ ዝገብር ክፍሊት ኣብ መወዳእታ`ዚ ዓመት 2022 ስለዝወድቕ ንኩልሻዕ ከናውሖ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
እቲ መበገሲ ክፍሊት ኣብዚ እዋን`ዚ ንመራኽብ ጽዕነትን ንስሚንቶን ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ድማ እዚ መሰል`ዚ ንዓና`ውን ይውሃበና ይብሉ ኣለው።
ነዚ ንምጽዋዕ ድማ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ጽዕነት ደቡብ ኮርያ ኣብ ኣፍደገ ህንጻታት ኩባንያታት ተረኺቦም ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ካብ ዝገብሩ ክልተ ሰሙኖም ኣቑጺሮም ኣለዉ። ናብ ስራሕ እንተዘይተመሊሶም መንግስቲ እንታይ ከምዝገብር ግን ዝተገልጸ ነገር የለን።