ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘወርቲ ታክሲ ኣዲስ ኣበባ ብኽብሪ ነዳዲ የማርሩ፣ መንግስቲ ድማ እኹል ድጎማ ከም ዝግበረ ይገልፅ


ብሰንኪ ፀገም ኣሰራርሓ ነቲ ብመንግስቲ ዝተወሃበና ናይ ነዳዲ ድጎማ ዕድል ክንጥቀም ኣይከኣልናን ክብሉ ዘወርቲ ታክሲ ኣዲስ ኣበባ መረርኦም ገሊጾም። ብወገን መንግስታዊ ኣካል ግን እኹል ድጎማ ይግበር ምህላዉ ይገልፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ብናይ ነዳዲ ድጎማ ዝጥቀማን ዘይጥቀማን መኻይን ፈልዩ እዩ። እተን ናይ ድጎማ ተጠቀምቲ ዝኾና መኻይን ናይ ህዝቢ መመላለስቲ ክኾና እንከለዋ፡ ክፍሊት ነዳዲ ዝፍፅማሉ ዲጂታል ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ ድማ ምክትል ሚኒስትር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኣቶ ሐሰን መሓመድ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ዘወርቲ መካይን ግን እቲ ብቴለፎን ዝግበር ክፍሊት ገንዘብ ምቹእ ዘይምዃኑን ብሰንኩ ድማ ነቲ ኣገልግሎት ከቋፁዎ ከም ዝተገደዱን ይዛረቡ።

ብዛዕባ እዚ መብርሂ ዝሃቡ ኣቶ ሓሰን መሐመድ ድማ ኣብ ትግበራ እቲ ዲጂታል ስርዓት ኣከፋፍላ ገንዘብ ዘሎ ፀገም ንምእላይ ጉጅለ ኣጣይስና ንሰርሕ ኣለና፣ እንተኾነ ናይ ዘወርቲ መኻይን ዘመናዊ ኣሰራርሓ ናይ ዘይምቕባል ፀገም እውን ይርአ ኣሎ ይብሉ።

እቲ ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ድጎማ ምስ ደረጃ እቶትና ዘይከይድን እኹል ዘይኰነን ክብሉ ብዘወርቲ መካይን ንዝቐረበ ምዕዝምዛማት መራሕቲ መካይን፡ ምክትል ሚኒስተር ሓሰን መሓመድ፡ መንግስቲ ሕጂ'ውን ክሳብ 75 ሚእታዊት ዋጋ ነዳዲ ይድጉም ኣሎ፣ 25 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ናብ ተጠቃሚ ዘመሓላልፍ ዘሎ ክብሉ ይምልሱ፡፡

XS
SM
MD
LG