ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ: ዓበይቲ ዓዲ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ( 4ይ ክፋል )


ድሕሪ`ቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኻየደ ኩናት፡ ብፍላይ ኣብቶም ናይ ወሰን ሕቶ ዘለዎም ከባብታት ግጭት ንኸይቅጽል፡ ሓቢርካ ናይ ምንባር ስራሕ ክሕይል ከም ዝግባእ ተወላዶ ኣምሓራን ትግራይን ኣተሓሳሲቦም።

ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብኻልኦት ኢትዮጵያውያን ጽልኢ ከምዘየለ ምስትምሃርን፡ ካብ ቂምን በቐልን ንምውጻእ ዘኽእል ናይ ተሓድሶ ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእን ዘዘኻኸሩ ዓበይቲ ዓዲ ፥ ኣምሓራን ትግራይን ኣሕዋት ኮይኖም ብምትሕልላይ ክነብሩን ብሓባር ኮይኖም ልዕልና ሕጊ ከኽብሩን ካብ እኩያን ነብሶም ክሕልዉን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ኣብዚ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ወርቁ በዘን ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድን ክኾኑ ኸለዉ ካብ ክልል ትግራይ ድማ ኣቶ ኣያለው ተስፉን ኮለኔል ኪሮስ ኪዳነን`ዮም።

ኣቶ ወርቁ ካብ ኣምሓራን ኮለኔል ኪሮስ ካብ ትግራይን ናይ ቀደም ፍቕሪ ተመሊሱ ከምዝነበሮ ንክኽፅል ብዙሕ ክስራሕ ዘለዎ ነገር ኣሎ።

ከምኡ`ውን ንዝተጎድአ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕዋይን ዝዓነወ ቁጠባ ዳግም ኣብ ምህናጽን ኩሉ ማሕበረሰብ ኣብ ምሕጋዝ ክረባረብ ኣለዎ ኢሎም ኔሮም።

ሕጂ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት ክጅመር ኣለዎ፡ ብስነ-ጥበብን ካልእን ጌርካ ህዝቢ ክተኣሳሰር ይኽእል`ዩ. ጀርመን ሽዱሽተ ሚልየን እስራኤላውያን ኣይሁድ ኣጥፊእ ኸላ ናይ ሎሚ ትውልዲ ቂም የብሉን- ህዝቢ ንህዝቢ ቂም ኣይተሓሓዝን`ዩ። ህዝቢ ንህዝቢ ኣይቅየምን`ዩ። እቶም ዘባልዑና ሕጂ`ውን እቶም ፈለጥናልካ ዝብሉ`ዮም ዝብል መልእኽቲ'ውን ኣሕሊፎም ኔሮም።

ብኻልእ ወገን ብዛዕባ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ማለት ኣብ ወልቃይት ጸገደን ብዛዕባ ዘሎ ሕቶታት ዝምልከት`ውን ሓሳብ ዝሃቡ እዞም ዓበይቲ ዓዲ ኣምሓራን ትግራይን፥ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕብረተሰብ`ውን ትግራዋይ ዝብሃል ኣይንበር ኣይሕረስ ኣይኮነን ዘሎ ሕቶኡ-ሕቶኦም ኣምሓራ ኢና ብክልል ኣምሓራ ንካለል ዝብል`ዩ ይብል ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድ. ጽንፋዊ መርገጺ ዘለዎም ምስትምሃርን ከምዝዕረዩ ምግባርን`ዩ- ብርክባት ህዝብን ብስፖርትን ካልእን ጌርካ ንህዝቢ ናብ ሓድነት ምምጻእ ይክኣል`ዩ ይብሉ ኣስዒቦም። እቲ ሕብረተሰብ ብገለልተኛ ወገን ዝውሃብ ውሳነ ንምቕባል ጸገም ከምዘይብሉ`ውን ይኣምኑ።

እቲ ሕብረተሰብ መንነተይ ይከበር እናበለ ብሰለማዊ ሰልፊ ይገልጾ ኣሎ። መንነቱ ንከኽብር ድማ ካብ ማንም ክሕተት የብሉን- ስለዚ እቲ ኣጻራያይ ኮሚሽን ብቐጥታን ብፍጥነትን ውሳነ ክህብ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ኣሎ- ነዚ ሓቂ`ዚ ንምውጻእ ግን ገለልተኛ ፈላጣትን ዓበይቲ ዓድን ዘለውዎ ኣካል ገለልተኛ ዝኾነ ውሳነ ክሳብ ዝሃቡ ጸገም የብሉም ይብል ካብ ተዛየተይቲ ሓደ ዝኾነ ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድ።

"ሕጂ ኣብኡ ዘሎ ሕብረተሰብ`ውን ትግራዋይ ኣብዚ ኣይንበር ወይ ኣይሕረስ ኣይኮነን ሕቶኡ፡ሕቶኡ ኣብ ከባብና ንሕና ኣምሓራ ኢና ብኣምሓራነትና ክንካለል ይግባእ ከምቀደምና`ዩ ዝብል ዘሎ። ስለዚ እዚ ምስተኻለለ፡ ከም ኣብ ዝኾነ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝደለዮ ክነብር ይኽእል`ዩ ዝብል መርገጽ`ዩ ዘሎ እዚ ድማ ትኽክል`ዩ ዝመስለኒ። ጽንፊ ዝወጹ ኣረኣእያታት ክህልዉ ይኽእሉ`ዮም ንዓታቶም ከኣ ምእራም`ዩ- ብትምህርቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክባት ብምግባር ከምኡ`ን ብስፖርትን ንባህልን እናገበርካ ምትዕርራይ ይክኣል`ዩ ይብል ፡ኣተሓሒዙ ኮሚሽን ወሰን ድማ ቅልጡፍ ውሳነ ክህብ ኣለዎ እቲ ሕብረተሰብ ድማ፡ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ክትቅጽል እንተ ተደልዩ ነቲ ውሳነ ተቐቢሉ ናይ ምክእኣል ፖሊስ ክኽተል ኣለዎ- እንካን ሃባን ዝብል ፖሊስ ክቕበል ኣለዎ ።"

ቂም በቐል ንኸይህሉ፡ ኣምሓራን ትግራይን ኣሕዋት ኮይኖም ብምትሕልላይ ክነብሩን ብሓባር ኮይኖም ልዕልና ሕጊ ከኽብሩን ካብ እኩያን ነብሶም ክሕልዉን እቶም ዓበይቲ ዓዲ ትግራይን ኣምሓራን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

አቶ ወርቁ ካብ ኣምሓራን ኮሎነል ኪሮስ ካብ ትግራይን ካብ ካልእ መጥቃዕቲ ክህሉ የብሉን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮሩ ክኾኑ ኸለዉ፥ አቶ አያለው ካብ ትግራይን ፤ አቶ አዳነ ካብ ኣምሓራን ድማ ሕጊ ኣብ ምኽባር ኣስሚሮም'ዮም ርእይቶኦም ሂቦም ኣለው።

"ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት እቲ መንእሰይ ኣብ ስምዒት`ዩ ኣትዩ ኔሩ። እቲ ጸገም ምስ ተፈጥረ ካብዚ ወጺኡ ናብ ግንባር`ዩ ኣትዩ ኔሩ። ንዝተወሰነ ግዜ ሓደ ሓደ ነገራት ዘየድልዩ ከም ሞተርሳይክል ከምኡ ገለ መካይን ዝተወሰኑ ምስ መጹ እቲ ሕብረተሰብ ሽዕኡ ንሽዕኡ`ዩ ተቖጢዑ ባህ ኣይበሎን:ምኽንያቱ ሰብ ዝደኸመሉ ዝረሃጸሉ ሃብቲ ክትንከፍ የብሉን። ዕላማ ካልእ`ዩ ብጎኒ ምዝራፍ ግን ኣድላዪ ኣይኮነን ብዝብል፡ ብኣጠቓላሊ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕብረተሰብ ብባዕሉ ሓለዋ ንክገብር፡ እዚ ነገር`ዚ ክግበር ከምዘይብሉ ኣቦታት ድማ ንደቆም ንክመኽሩ ተገይሩ`ዩ- ካልእ ድማ ካብ ውዳበታት ሓይልታት ጸጥታ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት`ዮም ነዚ ነገር`ዚ ፈጺሞሞ። "

ስለዚ ዝምልከቶ ኣካል ጥራይ ናብቲ ግንባር ንክኸይድ፡ ዘይምልከቶ ከይከይድ፡ስንቂ`ኳ ንከቐብል ዝኸይድ ሰብ`ኳ፡ ትኽክለኛ ሰብ ኮይኑ ብኣድራሻ ኣብጺሑ ዝምለስ ክኸውን ብዙሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣነ ኣብ ከባቢየይ ብዘሎ ኩነታት ኣረጋጊጸ`ለኹ. ስለዚ የለን ኣይብሃልን`ዩ-ከምኡ ዓይነት ኩነታት ተኸሲቱ`ዩ- ኣብ መጻኢ ክድገም የብሉን፡ ሕጂ`ውን ኣበየ ከባቢኡ ዘሎ ሕብረተ ሰብ ነዚ ከውግዝን ክሕሉን ኣለዎ ኢለ`የ ዝኣምን ይብሉ።

"እዚ ትጽበዮ ነገር`ዩ። ወያነ`ኮ መቐለ ገዲፍዋ ክወጽእ ከሎ፡ ነቶም እሱራት ፈቲሑ ፈንይዎም`ዩ። እቶም ዝተፈትሑ እሱራት ድማ ነታ ከተማ ኣብ ምዝራፍ`ዮም ተዋፊሮም- ዘይተፈተሸ ሹቕ የለን ደዊልና ከም ዘረጋገጽናዮ ማለት`ዩ። እዚ ከማይ ትጽበዮ ኢኻ ኣሽንኳይ`ዶ ኣብ ዞባ ኩናት፡ ሕጂ ብዝክኣል መጠን ምምሕዳራት ወረዳታት ተዋዲዶም ኣለዉ ብእኡ መሰረት ድማ፡ እቲ ሕብረተሰብ ነዚ ሰንሰለት እኽቢሩ ባዕሉ ንባዕሉ ክሕሉ ይግባእ።"

"ከምዝበልካዮ ኣብ እዋን ኩናት ባድመ፡ኣብዚ ዝነበሩ ኤርትራውያን ውጹ ተባሂሉ፡ ሕብሪ ዓይኖም እንተዘይጥዒሙና ይውጽኡ ብዝብል ናይ ኣምሕርኛ ጨለነት፡ ነብስወከፍ ኤርትራዊ ተለቒሙ ክወጽእ ከሎ፡ ኣብ ባህርዳር ን27 ዓመታት ገዝኦም ሓልዮም ሃብቶምን ንብረቶምን ሓልዮም ሓደራ ዝተባህልዎ ሓልዮም ዝጸንሑ ኣለዉ- ኣብዚ ኣብ ጎንደር`ውን ከምኡ ሓልዮም ዝመለሱ ሰባት`ዮም. ዝኾነ ናይ ኤርትራውያን ገዛ ዝዘረፈ የለን። ስለዚ ሕጂ`ውን እዚ ክድገም ኣለዎ-ናይ ትግራዋይ ክሕሎ ኣለዎ ናይ ኣምሓራይ`ውን ክሕሎ ኣለዎ።"

ኣብ መወዳእታ ቂም በቐል ንኸይህሉ፡ ኣምሓራን ትግራይን ኣሕዋት ኮይኖም ብምትሕልላይ ክነብሩን ብሓባር ኮይኖም ልዕልና ሕጊ ከኽብሩን ካብ እኩያን ነብሶም ክሕልዉን እቶም ዓበይቲ ዓዲ ትግራይን ኣምሓራን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ምስ ኣቶ ወርቁ በዘ ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድን ካብ ኣምሓራ፡ ኣቶ ኣያሌው ተስፉን ኮሌነል ኪሮስ ኪዳነን ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተኻየደ ዘተ ራብዓይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዘተ: ዓበይቲ ዓዲ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ( 4ይ ክፋል )
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:22 0:00


XS
SM
MD
LG