ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ: ዓበይቲ ዓዲ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ( 3ይ ክፋል )


ድሕሪ`ቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኻየደ ኩናት፡ ብፍላይ ኣብቶም ናይ ወሰን ሕቶ ዘለዎም ከባብታት ግጭት ንኸይቅጽል፡ ሓቢርካ ናይ ምንባር ስራሕ ክሕይል ከም ዝግባእ ተወላዶ ኣምሓራን ትግራይን ኣተሓሳሲቦም። ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብኻልኦት ኢትዮጵያውያን ጽልኢ ከምዘየለ ንምስትምሃርን፡ ካብ ቂምን በቐልን ንምውጻእ ዘኽእል ናይ ተሓድሶ ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም.​

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ዓበይቲ ዓዲ ትግራይን ኣምሓራን ናይ መንነትን ወሰን መሬትን ሕቶታት ዘለዎም ከባብታት ቅልጡፍ ምላሽ ክረኽቡን ልዕልና ሕጊ መታን ክኽበርን ይጽውዑ።

ዓበይቲ ዓዲ ክልቲኦም ብሄራት ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ወይ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ጽልኢ ዝብሃል የብሉን- እቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተወስደ ስጉምቲ ነታ ሃገር ካብ ሓደጋ ምብትታን ንምድሓን ዝተኻየደ ኩናት ምዃኑ ይኣምኑ ።

ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስትን ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ኣብ ጠረጴዛ ብዘተ ክውዳእ እናተገበኦ፡ ብሓደ ወገን ማለት ብወገን ህወሓት ተቐባልነት ስለዘይረኸበ እቲ ኩናት ክካየድ ክኢሉ ዝብሉ ሽማግለታት ትግራይን ኣምሓራን፡ ሕጂ`ውን መፍትሒኡ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንኽትቅጽል፡ እቲ ዝጸንሐ ድልዱል ርክብን ሓድነትን ኣምሓራን ትግራይን ብዝሓየለ መልክዕ ክቕጽል ኣለዎ ይብሉ።

ኣብዚ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ፡ ካብ ኣምሓራ ኣቶ ወርቁ በዘን ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድን ክኾኑ ኸለዉ ካብ ብሄር ትግራይ ድማ ኣቶ ኣያለው ተስፉን ኮለኔል ኪሮስ ኪዳነን`ዮም።

"ናይ ቀደም ፍቕሪ ተመሊሱ ከምዝነበሮ ንክኽፅል ብዙሕ ክስራሕ ዘለዎ ነገር ኣሎ። መጀመርያ በዞም ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ በደል ዝፈጸሙ ሰባት ዝተዘርአ መርዚ ንምጥፋእ ልዑል ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ኣመላኻኽታ ንጹሕ ምዃኑን፡ ንመራሕቶም`ምበር ኣብ ልዕሊኦም ጽልኢ ከምዘይብሉ ብግልጺ ክርድእዎ ይግባእ" ዝበለ ኣቶ ወርቁ ፡ "ከምኡ`ውን ንዝተጎድአ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕዋይን ዝዓነወ ኤኮኖሚ ዳግም ኣብ ምህናጽን ኩሉ ማሕበረሰብ ኣብ ምሕጋዝ ክረባረብ ኣለዎ" ይብል።

ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድ "ወያነ`ኮ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓድን ፈላጣት ታሪኽን ከምኡ ኣዝዩ ጠቐምቲ ንዝብሃሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኣርዩ ወዲእዎም`ዩ። ንናይ ባዕሉ ህዝቢ`ዩ በሊዑ.። ካልኣይ ንሳቶም ናብ መንግስትነት ምስ መጹ፡ ዝተፈጥረ መንእሰይ`ዩ ዘሎ ሎሚ-ብናቶም ጎስጓስ ዝተመልአ፡ንኣምሓራ ንኽጸልእ ትምህርቲ ዝተውሃቦ ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንክሰርጾን እናተደርፈሉን ዝዓበየ'ዩ ዘሎ- ስለዚ ነዚ ናብ ቦትኡ ንምምላስ ልዑል ስራሕ `ዩ ዝጽበየና ዘሎ. ንኣብነት ኣብ ከባቢ እንደርታ ሚልሻታት ብገዛእ ፍቓዶም ብረቶም ንሰራዊት ምክልካል ከረክቡ ምርኣይና ጽቡቕ`ዩ" ይብሉ።

"ካልኣይ እቲ ሕብረተሰብ ትግራይ ጸሊኡ ንከይትብል ድማ፡ ሰራዊት ኣብ ኩለን ከተማታት ክኣቱ ኸሎ፡ ጸረ ሰራዊት ምክልኻል ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይተወስደን። ሳልሳይ ነገር ግን ዘይተዓጠቐ ሓረስታይ ስለዘየለ ብረት ክእከብ ኣለዎ: ድሕሪኡ ናይ ተሓድሶ ስራሕ የድሊ`ዩ። ናብ ነባራዊ ኩነታት ክእቶ ኣለዎ: ሚድያታት ኣትዩ`ሎ ጽቡቕ`ዩ ግን ክቕልጥፍ ኣለዎ። ቃለ-መጠይቓት ካብ ኣዲስ ኣበባ ክትጽበዩ የብልክሙን።ቃለ-መጠይቕ ካብኡ ካብቲ ቦታ`ዩ ክስራሕ ዘለዎ።"

ኣቶ ኣዳነ "ካልእ ድማ ሕጂ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት ክጅመር ኣለዎ፡ ብስነ-ጥበብን ካልእን ጌርካ ህዝቢ ክተኣሳሰር ይኽእል`ዩ። ጀርመን 6 ሚልየን እስራኤላውያን ኣይሁድ ኣጥፊእ ኸላ ናይ ሎሚ ትውልዲ ቂም የብሉን- ህዝቢ ንህዝቢ ቂም ኣይተሓሓዝን`ዩ። እቲ ሽዕኡ ህዝቢ ዝወድአ ናዚ ግን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ይልቀም ኣሎ። ንሳቶም ምእራዮም ኣይተርፍን`ዩ -ህዝቢ ኣምሓራ ግን ኣብ ማይካድራ ጭፍጨፋ ተፈጺሙ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወስዶ ሒነ-ምፍዳይ የለን። ህዝቢ ንህዝቢ ኣይቅየምን`ዩ። እቶም ዘባልዑና ሕጂ`ውን እቶም ፈለጥናልካ ዝብሉ`ዮም" ይብል ።

ተወላዲ ትግራይ ኣቶ ኣያሌው ተስፉ ድማ "እዛ ሃገር ብጽቡቕ ኩነታት ክትከይድ እንተኾይኑ፡ እቲ ን30 ዓመት ዝጸንሐ ስምዒታት ክወጽእ ኣለዎ። ከመይ ኢሉ`ዩ ክወጽእ ዘለዎ ንዝብል ግን መጀመርያ ክጽናዕ ኣለዎ። ኣብዚ ይጸናዕ ኣብኡ`ውን ይጸናዕ ብቕዓት ዘለዎም ምሁራት ኣጽኒዖም- ነቲ ጸገም ምስ መፍትሒኡ ናብ መንግስቲ ምስ ኣቕረቡ ድሕሪኡ ናይ ምይይጥ መድረኽ ይከፈት።ህዝቢ ሃገረይ`ያ ናተይ`ያ ኢሉ ክሳብ ዝስምዖ ዝገብር ታሪኽ ክስራሕ ኣለዎ።ድሓር ከኣ ተረፍ መረፍ ኣለዉ: ኣብ ትግራይ ናይ ባዕሎም ታሪኽ ዝኽሕዱ ኣለዉ. ስምዒታት ኣሎ`ዩ- እቲ ስምዒታት ግን ፈንቂሉ ክወጽእ ዝኽእል ምስ መሃርካዮ ጥራይ`ዩ- ድሕሪኡ እቲ ጸገም ክፈጥር`የ ዝብል ተታሒዙ ናብ ፍትሒ ክቐርብ ኣለዎ። ስለዚ ትግራይ ብምልኡ ከተምኡን ገጠሩን ናጻ ምስ ኮነ፡ርግጸኛ`የ ህዝቢ ሆ ኢሉ ናብ ሃገራዊ ስምዒቱን-ኢትዮጵያዊ ስምዒቱን ክምለስ`ዩ። እቲ ርእስኻ ምምሕዳር ዝብል ግን ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈለሉ ስለዝኾነ ናይ ባዕሉ መሪሕነትን ይደሊ ብቛንቁኡን ብናይ ባዕሉን ክመሓደር`ዩ ዝደሊ" ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ብዛዕባ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ማለት ኣብ ወልቃይት ጸገደን ብዛዕባ ዘሎ ሕቶታት ዝምልከት`ውን ሓሳብ ክህብሉ ተላዒሉ ኣቶ ኣዳነ "ክልተ ጫፋት`ዮም ዘለዉ: ወልቃይት ጸገደ ራያን ጸለምትን ብዝምልከት-ቅድመ ሕገ-መንግስቲ ብሓይሊ ዝተወስዱ`ዮም: ስለዚ ሕጂ ብሓይሊ ተመሊሶም ኣለዉ። ብክልል ኣምሓራ ክመሓደሩ ኣለዎም ዝብል ጫፍ ኣሎ።ብኻልእ ወገን ድማ ኣይፋሉን ሕጂ ኣብ ትግራይ ተመስሪቱ ዘሎ ግዜያዊ ምምሕዳር ድማ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ብምልኡ ዘጠቓልል`ዩ ዝብሉ ኣለዉ።ስለዚ ኣብ ጭቕጭቕ`ዩ ዘሎ- ስለዚ እዚ ጉዳይ`ዚ ብጥንቃቐ ክፍታሕ ኣለዎ:ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግን ናብ ዳግማይ ኩናት ከይንኣቱ ስግኣትን ፍርሕን ስለዘለኒ ቅልጡፍ ዝኾነ መጽናዕቲ ተገይሩ ፍታሕ ክድለየሉ ኣለዎ። ጉዳይ ወልቃይት ጸገደ ራያን ጸለምትን ቀዳምነት ክውሃቦ ዝግባእ ጉዳይ`ዩ" ይብል ።

ኣብኡ ዘሎ ሕብረተሰብ`ውን ትግራዋይ ዝብሃል ኣይንበር ኣይሕረስ ኣይኮነን ዘሎ ሕትኡ-ሕቶኦም ኣምሓራ ኢና ብክልል ኣምሓራ ንካለል ዝብል`ዩ ይብል ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድ. ጽንፋዊ መርገጽ ዘለዎም ምስትምሃርን ከምዝዕረዩ ምግባርን`ዩ- ብርክባት ህዝብን ብስፖርትን ካልእን ጌርካ ንህዝቢ ናብ ሓድነት ምምጻእ ይክኣል`ዩ ይብሉ ኣስዒቦም። እቲ ሕብረተሰብ ብገለልተኛ ወገን ዝውሃብ ውሳነ ንምቕባል ጸገም ከምዘይብሉ`ዩ ይኣምኑ።

ኣብ መወዳእታ ቂም በቐል ንኸይህሉ፡ ኣምሓራን ትግራይን ኣሕዋት ኮይኖም ብምትሕልላይ ክነብሩን ብሓባር ኮይኖም ልዕልና ሕጊ ከኽብሩን ካብ እኩያን ነብሶም ክሕልዉን እቶም ዓበይቲ ዓዲ ትግራይን ኣምሓራን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ምስ ኣቶ ወርቁ በዘ ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድን ካብ ኣምሓራ፡ ኣቶ ኣያሌው ተስፉን ኮሌነል ኪሮስ ኪዳነን ካብ ትግራይ ዝተካየደ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ዘተ: ዓበይቲ ዓዲ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ( 3ይ ክፋል )
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:48 0:00


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG