ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ስነ ኣእምሮ


10 ጥቅምቲ ዓለምለኸ ጥዕና ስነ ኣእምሮ ብፍሉይ ትዅረት ሂቡ ዝዝከረላ መዓልቲ እዩ። ጥዕና ስነ ኣእምሮ እንታይ እዩ? ባህሪያቱን ዝንፀባረቀ፟ሎም መገድታት'ከ?

ከምኡ'ውን ብፍላይ ምስ ጭንቀት ተተሓሒዙ ዝህልዉዎ ምልክታትን ሰባት ከመይ ክሃስዮም ከምዝኽእልን ምስቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኩነታት ብምትሕሓዝ ካብ ከባቢኦም ርሒቆም ዝርከቡ ደሃይን ኩነታትን ስድረኦም ዘጨንቆም፣ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ድማ ካብ ናህሪ ዋጋ ጀሚሩ ስጋብ ዝበልዕዎ ስኢኖም ፣ ንስድረኦም ዘቅርብዎ መግቢ ሓፂሩዎም ተጨናኒቆም ንሕማም ስነ-ኣእምሮ ዝተሳጥሑ ሰባት ከመይ ንርእሶም ኣህዲኦም ህይወቶም ኣመዓራርዮም ዝሐሸ ተስፋ ክረኽቡ ይኽእሉ ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ምስ ክልተ ሰብ ሞያ ዝዘተናሉ መደብ እዩ።

ዶ/ር ሰይፉ መንገሻ ኣበራ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ከተማ ሲያትል:ኣለምባንተ ፍቃዱቅድም ክብል ኣባል ክፍሊ ትምህርቲ ስነልቦና ዩኒቨርስቲ መቀለ ዝነበሩን ኣብዚ እዋን ንትምህርቲ ኣብ ሃንጋሪ ዩኒቨርስቲ ኣብ ክሊኒካል ሳይኮሎጂ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉን እዩም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታት ይክኣል።

XS
SM
MD
LG