ዋሽንግተን —
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወላዶ ክልል ትግራይ ናይ ማእሰርትን ኣብያተ ንግዶም ምዕጻውን ጸገማት የጋጥሞም ከምዘሎ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጸን ኔረን።
ንምዃኑ እቲ ጸገም ማዕረ ክንደይ'ዩ? ተጋሩ ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ'ኸ እንታይ ይብሉ? ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ወይ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩነታት``ከ እንታይ ይመስል? ነቲ ብድሆታት ንምፍታሕን ተኸባቢርካ ንምንባርን'ከ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ዝብሉን: ካልኦት ሕቶታትን ኣልዒልና ን አርባዕተ ተጋሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዓዲምና ኣለና፥ ከበደ ኣሰፋ በዓል ሞያ ሕጊ:መሰሉ ረዳ ሰራሕተኛ ረድኤት-ነበር: ደስታ ኪሮስ ኣባል `ራእይ ንድሕነት ተጋሩ ዓለም-ለኸ ማሕበር`:ሳባ ኣይነኣለም ድማ ኣሰናዳኢት መደብ "ምእንቲ ሃገር" እዮም::
ምሉእ ትሕዝቶ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::