ዋሽንግተን —
ንኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይን ኣባል መሪሕነት ባይቶ ዓባይ ትግራይን ኣቶ ኪዳነ ኣመነን ኣባል መሪሕነት ፓርቲ ነጻነት ትግራይ ኣቶ መሓሪ ዮሃንስን አብዚ ቀረባ ዝሃብዎ ቃል ምልልሳት ብዝምልከት ዘተ አካይድና አለና።
ኪዳነ ኣመነ "ስሙር ብሄራዊ ባይቶ ክምስረት ኣለዎ" ክብል ከሎ፣ ኣቶ መሓሪ ዮሃንስ ብወገኑ "ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣንጻር ረብሕኡ ንክቃለስ፣ ንኣማራጺ ሓሳብ ንከይሰምዕ እያ ኣሲራ ሒዛቶ ዘላ" ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።
ፕሮፈሰር ጌታቸው አሰፋ ካብ ካልጋሪ ካናዳ፣ ጌታቸው ተማረን መርስኤ ኪዳነን ካብ'ዚ ካብ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ዘተ አካይዶም ኣለው:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።