ዋሽንግተን —
ድምጺ ኣመሪካ ፕሮግራም መደብ ትግርኛ “ኢትዮጵያ፤ መንገድታት ንዘላቒ ሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ስቱድዮ ድምጺ ኣመሪካ ቀዳም 15 ሚያዝያ ዘተ ኣካዪዱ ነይሩ።
እዚ ዘተ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ተዳልዩ፡ ናብ ትግርኛ’ውን ተተርጒሙ ዝተፈንወ’ዩ። እንተዀነ፡ ብምኽንያት ድሩትነት ቋንቋ ተወላዶ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ፡ እዚ ዛዕባ ብቐንዱ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተሓጽረ’ዩ። ክንዲ ዝዀነ’ውን በዚ ናይ ቋንቋ ድሩትነት ሓሙሽተ ካብ ተዛተይቲ ተወላዶ ትግራይ ምዃኖም ኣቐዲምና ንጠቅስ።
ንምዝኽኻዝር ዝኣክል፡ ከም መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ኣንቶኒ ብሊንከንን፤ብሰራዊት ፈደራል፡ ክልል ኣምሓራ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ዅላቶም “ገበናት ኲናት” ተፈጺሙ
-ብሰራዊት ፈደራል፡ ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን “ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት” ተኻዪዱ
-ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ብሰራዊት ክልል ኣምሓራ፡ ናይ “ዘርኢ ምምጽጻይ” (“ethnic cleansing”) ወፈራ ተራእዩ
-ዛጊት ብዝዀነ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ትካልን መንግስታት ካልኦት ሃገራትንን፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ “ጃምላዊ ምጽናት ዓሌት” (ጀኖሳይድ) ኣይተጸውዐን።