ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ፤ ተካኢ ወለዶ ኤርትራ ኣበይናይ ብርኪ?


ሳሙኤል ኣማሃ ጸጋይ፡ ኣብርሃም ተስፋልኡልን ዘርእስላሴ ረድኢ ሽከርን
ሳሙኤል ኣማሃ ጸጋይ፡ ኣብርሃም ተስፋልኡልን ዘርእስላሴ ረድኢ ሽከርን

ምስ ጉዳይ ኤርትራ ካብቲ ተደጋጊሙ ዝለዓል ኣርእስቲ ምትኽኻእ ስልጣንን ጋግ ወለዶን’ዩ። እዚ ናይ ተካእነት ሕቶ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝገብሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቲቱ ነይሩ። ኣብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ መሪሕነት ኤርትራ፡ ናይ ምኽትል ስልጣን’ውን ስለ ዘየሎ፡ ሓደ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ኣብ በበይኑ ጽላታት ተካኢ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰብ ኣዘራራርቢ ወይ ኣሻቓሊ ክኸውን ንቡር’ዩ። ኣብዚ ኣርእስቲ ንምዝታይ እምበኣር ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ካብ ዲፕሎማት ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ሕጂ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝቕመጥን ዘርእስላሴ ረድኢ ሽከርን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኲንስ ካናዳ ናይ ታሪኽ ሕጹይ ዶክተር ሳሙኤል ኣማሃ ጸጋይን ኣዛቲና ኣሎና፡ ንምክትታሉ ኣብዚ ሰዓቡ።

XS
SM
MD
LG