ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ ሰብ ሞያ ኣብ ትግባረ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ኢትዮጵያ


ዘተ ሰብ ሞያ ኣብ ትግባረ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:11 0:00

ዘተ ሰብ ሞያ ኣብ ትግባረ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ኢትዮጵያ

ነቲ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ስዒቡ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብቲ ኲናት ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል፣ ብመሰጋገሪ ፍትሒ ኣቢላ ተሓታታይነት ንምድናይ ኣብ ምንቅስቓስ ትርከብ። ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሰብሞያ ሕጊ፣ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ብትኽክል ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ንዝተበደለ ህዝቢ ፍትሒ ዘምፅእን፣ ዘላቒ ሰላም ዘረጋግፅን እዩ ይብሉ። እንተኾነ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ንምትግባር ዘየኽእሉ ምኽንያታት ከምዘለው ይገልፁ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ኮሚሽን ኣጣይሹ እዩ። ነቲ ኮሚሽን ክትቓወም ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ነቶም ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈፂሞም ዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ብመስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ንኽረኽቡ ትንቀሳቐስ ኣላ።

ድምፂ ኣመሪካ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መብርሂ ክህቡ ንሰብ ሞያ ሕጊ ኣዘራሪቡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG