መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ጎንፂ መዕለቢ ንምርኻብ ንዘተ ሰላም ይዳለዉ ኣለዉ። ብኻልእ ወገን እቲ ኲናት ሰፊሑ ኣብ ከተማ ኣብዓላ ብዘውረዶ ዕንወት ሚልሻን ነበርትን ንሰላም ድልዋት ምዃኖም እንተገለፁ እኳ ተንተንቲ ግና ብቀ፟ሊሉ ዝመፅእ ከምዘይኾነ ይገልፁ።
ኣብዓላ በቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብቲ ኸባቢ ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንያ'ያ። ነበርቲ ከምዝበልዎ ሓይልታት ትግራይ አብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት እታ ከተማ ይትኩሱ ብምንባሮም:መብዛሕትኦም ነበርቲ እታ ከተማ ገዛውቶም ሓዲጎም ተሰዲዶም ዝፀንሑ ኮይኖም ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብቲ ኸባቢ ምውፀኦም ስዒቡ ድማ ውሑዳት ተመሊሶም ኣለው።
ኣንፃር ህወሓት ክዋግኡ ንዝፀንሑ ሚልሻታት እቲ ኸባቢ ዝመርሑ ፋራስ ለኢሌ በቲ ኲናት ዝወረደ ዕንወት ኣዝዩ ዓብዪ ምዃኑ ይዛረቡ ።
“ህዝቢ ጥምየት እምበር ኲናት አይፈርሕን። ኣብዚ እዋን ዝብላዕ የብሉን ፣ ዝዕድገሎም ሹቃ፟ት ኮኑ ዝኮነ ዓይነት ዕዳጋ የለን። ብዙሓት ናብ ከባቢኦም ዝተመልሱ ስድራ በቲ ዘሎ ጥምየት፣ ስእነት ትሕተ ቅርጺ እንታይ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ብጭንቀት ተዋሒጦም ኣለዉ።”
ዘይተተኮሱ ፈቐድኡ ዝርከቡ ነተጉቲ ድማ ካልእ ስግኣት ነበርቲ እዮም። ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ገዝኦም ዝረኸብዎም ነተጉቲ ንድምፂ ኣመሪካ ኣርእዮም። ብዙሓት አብ ከተማ ኣብዓላን ከባቢኣን ዝርከቡ ነበርቲ እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዘሎ ምስሕሓባት ፖለቲካ ከምዘየገድሶምን ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ ጥራይ ዘለዎም ድልየት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ድልዋት ምዃኖምን 21 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ውግእ ጠጠው ንምባል ምድላዎም ሓቢሮም እዮም። ኣብ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዛተይ ኮሚቴ አጣይሰ ክብል ከሎ ብወገን ትግራይ'ውን ተመሳሳሊ ነገር ተሰሚዑ።
ይኹን ደኣ እምበር ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣምባሳደር ፍሰሃ አስገዶም ተሰማ ግን ኣብ ቀረባ ዘተ ክካየድ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘይብሎም ንድምፂ ኣመሪካ ገሊጾም።
“ሎሚ ዘተ ክካየድ እዩ ዝብል ተስፋ አለኒ ኢለ ክዛረብ ይኸብደኒ እዩ ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን በቶም ነቲ ዘተ ዘመዓራረዩ ኣካላት ከም ኣመሪካ ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን ኩሎም ዝተነግረና ኣብዝኾነ ደቃ፟ይቅ፟ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክጅምሩ ምዃኖም እዩ ። ንሕና ድማ መዓልታት ዘይኮነስ ሰዓታት ኢና ክንቆፅር ፀኒሕና ዝኮኑ ምንቅስቃ፟ሳት ክፍጠሩ ይኽእሉ ኢልና ፤ መንግስቲ ኣዲስ አበባ ግን ብኣንፃሩ ክኸይድ ዝወሰነ እዩ ዝመስል።”
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎታት ቴሌኮም ፣ ባንኪ ፣ ምጉዕዓዝ ነዳዲን ሰብኣዊ ሓገዛትን ናብ ትግራይ ንኸይኣትዉ ከልኪሉ እዩ ። ተንተንቲ እውን መሰረታዊ አገልግሎታት እቲ ክልል ናብ ዝነበርዎ እንተዘይተመሊሶም ሰላማዊ ዘተ ዘይክቅ፟ፅል ይኽእል እዩ ኣብ ዝብል ይሰማምዑ ። ይኹን እምበር ዋላ ንሱ እዃ እንተተቓነዐ ካልኦት ዕንቅፋታት እውን ኣለዉ ይብሉ ። ብዝሒ ሰራዊት ክልል ትግራይን አንፃር መንግስቲ ኲናት ክኸፍት ዘእኽእል ዓቅሙን እቲ ሓደ ሙዃኑ ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልፁ ።
ዊልያም ደቪድሰን ኣባል ዓለምለኸ ጉጅለ ተንታኒ ቅልውላው "ኣመራርሓ ክልል ትግራይ ወይውን ህዝቦም ይትረፍ ነቲ ሰራዊት ዕጥቁ ክፈትሕ መጠን እቲ ሰራዊት ምቅናስ ዝብል እውን ከምዝቅ፟በልዎ ግልፂ ኣይኮነን ብተመሳሳሊ መንግስቲ ፌደራል እውን ትግራይ ከምዚ ዓይነት ብዝሒን ናይ ምውጋእ ዓቅ፟ምን ዘለዎ ሓይሊ ሒዛ ኣካል ፈደረሽንን ፖለቲካዊ ስርዓትን ኢትዮጵያ ኮይና ሙሉእ ብሙሉእ ክትቅፅል ዘፍቅድ ሙዃኑ እውን ግልፂ አይኮነን።"
ህወሓት ካብ ኢትዮጵያ ተገንፂሉ ነፃ ሃገር ናይ ምምስራት ሓሳብ ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ እዩ ። ነዚ ብዝምልከት ተንታኒ ፖለቲካ ኪራም ታደሰ ቅኑዕ ኣማረፂ ከምዘይመስሎ ይሕብር።ንኤርትራ ከም ኣብነት ጠቂሱ ድማ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፋ ኣብዚ እዋን ዘላትሉ ኩነታት ዘቅ፟ስን አይኮነን ይብል ።
ካልእ እቲ ሰሓቢ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ መን ይቆፃፀሮ ዝብል ኣብቲ ዘተ እቲ ዝዓበየ ግደ ዝሕዝ ሙዃኑ ተንተንቲ ይገልፁ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ክህብ ዝቀረብሉ ሕቶ ምላሹ ኣይሃብን ።