ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ ምስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል እስጢፋኖስን ሰብሞያ ሕጊን


ዘተ ምስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል እስጢፋኖስን ሰብሞያ ሕጊን
please wait

No media source currently available

0:00 0:43:21 0:00

ዘተ ምስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል እስጢፋኖስን ሰብሞያ ሕጊን

ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል እስጢፋኖስ ካብ ከገልግሉሉ ዝፀንሑ ኣውስትራልያ ናብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንምብፃሕ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝበፅሑሉ እዋን ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ኣውስትራልያ ክምለሱ ተገይሩ እዩ።

ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ንኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል፡ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ አማኑኤል ኣሰፋ ከምኡ እውን ንበዓል ሞያ ሕጊ ተስፋኣለም መሓሪን ገብሪህይወት ሓድሽን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል“ፍኖተ ብርሃን” ኣብ ዝብል ናይ ዩቲዩብ ቻነሎም ብፍላይ ንተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ኣመልኪቶም ብዝዛረብዎም ዝነበሩ ቃላት ክንቐፉ ፀኒሖም እዮም።ብዝተዛረብዎ ንህዝቢ ንጽልኢ ዘለዓዕል ቃላት ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ኔርዎም ዝብሉ ወገናት`ውን ኣለዉ።

ብዛዕባ ጉዳይ ኣባ ሰረቐብርሃን ዝተሓተቱ ኣባ ጴጥሮስ ካብ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘይብሎም ንድምጺ ኣመሪካ ምዝራቦም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተመሓላለፈ ጸብጻባት ድምጺ ኣመሪካ ምቕራቡ ይዝከር።

ኣብዚ ፀብፃብ ካብ ኣካላት መንግስቲ መልሲ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG