ሰብ ሞያ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ‘ሰላምን ዕርቅን ንክሰፍን ዝተፈረመ ሰነድ፣ ብፈረምቲ’ቲ ውዕል ስለዝተጣሐሰ ኣብ ሓደጋ ይርከብ ክብሉ ኣፍሊጦም። እታ በዓልቲ ሞያ ኣብዚ ጉዳይ ንዘዳለወቶ ሪፖርት ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣቕሪባ ኣላ።
ሰበ ስልጣን ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ መንግስቲ ምስ 14 ዕጡቓት ጉጅለታት ዝኸተሞ ውዕል፣ ተስፋ እታ ብኹናት ዝተሃሰየት ሃገር ከምዝኾነ’ዩ ዝኣምን።
መራሒት ናጻ ኣካል ኪኢላታት ሜርይ ተርዛ ኬይታ ቦኩም ብወገና፣ እቲ ውዕል ‘ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ስራሕ መንግስቲ ንክሳተፉ’ ዝዕድም’ዩ ትብል። እንተኾነ፣ ኣብ ፓኦ ዝተባሃለ ከባቢ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ ቅትለት ንመሰረት’ቲ ውዕል ከምዘፍረሶ ትሕብር፣
“እዞም ዕጡቓት ኣብ’ቲ መስርሕ ቦታ ኣለና ኢሎም ዝሓስቡ እንተኾይኖም፣ ንህውከት ብቕጽበት ደው ከብሉ ኣለዎም። ክዝክርዎ ዘለዎም ሓደ ነገር ኣሎ፣ ኣብ’ዚ ግፍዓዊ ተግባር ኢዶም ዘእተው ውልቀ ሰባት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ከምዝኽእሉ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ፣ መስርሕ ሰላም ክተዓናቐፍ’ዩ።”
ንሳ ወሲኻ ‘ኣካላት ፍትሒ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘተኣማምን ስለዘይኮነ ትጽቢት ህዝቢ ንምምላእ ክማሓየሽ ይግባእ። ኢላ
ሕ/ሃ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሃ ውግእ ሕድሕድ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንኣሻሓት ሰባት ቀቲሉ፣ ን642,000 ሰባት ካብ መነባብሮም ኣፈናቒሉ፣ 575,000 ሰባት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ኣገዲዱ’ዩ ይብል ።
ኣብ ጄኔቫ ቤት ጽሕፈት ሕ/ሃ ‘ንልእኽቶ ማእከላይ ኣፍሪቃ’ ሕጋዊ ድጋፍ ዝልግስ ሰርጌ ሂርቭ ሳቦሮ ብወገኑ ‘ብናጻ ኪኢላታት’ ዝተፈጸመ ስራሕ ዝናኣድ ምኳኑ ገሊጹ ኣሎ።
ንሱ መስርሕ ሰላም ማእከላይ ኣፍሪቃ ብኩሎም ወገናት ክኽበር ኣለዎ፣ ዕጡቓት ብረቶም ከውርዱ፣ ፍትሒ ንክነግስ፣ ናብ ዕርቂ ከምርሑን ልዕልና ሕጊ ንክረጋገጽን’ውን ጸዊዑ ኣሎ።